ኤርትራ፡ ነዊሕ ኢድ መንግስቲ ኣብ ዲያስፖራ ንምብታኽ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ

RADIO ERENA – Tuesday, 19 March 2024

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ቅድም ትዊተር ናይ ሕጂ ኤክስ(X) ጉዳይ ኤርትራ ብዙሕ ሰብ ይዛረበሉ ብምህላዉ ካብ ብዙሕ ሰብ ዝርእዮ (trending) ኮይኑ ቀንዩ::

ብስም ፌስቲቫላት ዝካየድ ጓይላታትን ንሱ ዘኸተሎ ግጭታትን ዝፈጠሮ ሳዕቤናትን ጉዳይ ኤረትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምርዳእ ኣብ ኤክስ ወፍርታት ይካየድ ብምህሉዉ እዩ ብስም ኤርትራ ትረንዲንዝገብር ዘሎ::

ኣብቲ ወፍሪታት ብህግደፍ ዝካየድ ፌስቲቫላት ኤርትራ ንጽልኢ ዝጉስጉሱን ንመላእ ማሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይውክልን ምኳኑዝገልጹ ደለይቲ ፍትሕን: ‘እዚ ሓሶት ምኳኑ ዝምግቱን ብርጌድ ንሓመዱ ሽበራዊ ጉጅለዩ ዝነቕፉ ደገፍትን ዝገብርዎ ዘለዉ ጎስጓስ እዩ::

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝተፈላለዩ ማሕበረኮማት ባህሎምን ቋንቋታቶምን ንምዕቃብ ዝተፈላለዩ ፌስቲቫላትን ምትእኽኻባትን ይገብሩ እዮም: መንግስታትውን እዚ ፌስቲቫላትን ምትእኽኻባትን ክካየድ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ይገብራ እየን::

ኤርትራውያን ማሕበረኮማትውን ከም ሰበን ናይ ዝነብራሉ መንግስታት ሓገዝ እናረኸባ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ንጥፈታት የካይዳ እየን::

እንተኾነ መብዛሕትኡ ብኤርትራውያን ዝካየድ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኢድ መንግስቲ ክኣትዎን ኣታዊ ፈቲቫላት ድማ ናብ ኤምባሲታት ኤርትራ ክኣቱ ጸኒሑ::

ከም ግቡእ ማሕበረኮማት ንኹሉ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ዝጥርንፋ ኢድ መንግስቲ ዘይኣትወን ነጻ ማሕበራት ክኾና እዩ ዝግባእ ኣብ ማሕበረኮማት ኤርትራ ግን ከምኡ ኣይጸንሓን ብኣንጻሩ ናይ ደገፍትን ቀጥታዊ ኢድ መንግስቲ ዝኣትዎን እዩ::

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣንጻር ፌስቲቫላት ክካየድ ብዝጸንሐ ተቓውሞታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር ዘሎ ጎስጓሳትን፡ ዲያስፖራ ኤርትራ ብነዊሕ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ይዝወርን ኣብ ፍርሂ ዝነብር ከምዝኾነን ክገልጹ ጀሚሮም ዘለዉ ብዙሓት እዮም::

ካብዚ ብምብጋስ ሃገራት ኖርወይ: ስዊደን: ስዊዘርላንድ: ዴንማርክን ነዊሕ ኢድ ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ንምብታኽ ዘኽእል ዝርርባት ኣብ ምክያድ ይርከባ ኣለዋ::

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0