ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ፣ ኣብ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ፣ ኣብ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ

Radio Erena: 18 November 2014

meskseb

ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድ፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ትማሊ ሰኑይ 17 ሕዳር 2014፡ ካብ ኪጋሊ ናብ ኪቡንጎ ንዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊትሉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝተኻየደ ዙር ግራንድ ፕሪክስ ቻንታል ቢያ ተዓዋቲ ሓፈሻዊ ናይ ግዜ ውድድርን “ብሉጽ መንእሰይን” ንዝተሰምየ መኽሰብ ደበሳይ ተከቲሎም ከኣ፡ ደቂ ሃገሩ ኣሮን ደብረጽዮን ካብ ክለብ ኣስቤኮ፡ ኤልያስ ኣፈወርቅን ዳዊት ሃይለን ከኣ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ንዘሎ ደረጃ ብሒቶሞ። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ በረኸት የማነን ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስቤኮ ዮውሃንስ ወልደሩፋኤልን ብወገኖን 9ይን 10ይን ደረጃ ብምሓዞም፡ 6 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ምስ ቀዳሞት 10 ኮይኖም ውድድሮም ክፍጽሙ በቒዖም ኣለዉ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ውድድር ዓባይ ጉጅለ ብሓንሳብ ተጠርኒፋ ስለዝኣተወት ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ግዜ ውድድር ብዙሕ ዝመጸ ለውጢ የለን። 

 

ሎሚ’ውን ሩዋንዳዊ ጃንቨር ሃዲ እዩ ብጫ ማልያ ለቢሱ ናብ ቅድድም ክኣቱ። ካልኣይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ሎሚ ሰሉስ ካብ ሩዋጋማና ክሳብ ሙሳንዚ ብዝጉዓዝ ናይ 151.5 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ክቕጽል እዩ።

መበል ሻዱሻይ ኣህጉራዊ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ፡ ብሰንበት 16 ሕዳር 2014፡ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ብዝተኻየደ ናይ 3.5 ኪሎ ሜትር ውድድር ክሮኖ-ሜትር’ዩ ተኸፊቱ።

እዚ 2.2 መዐቐኒ ዘለዎ፡ ሓደ ናይ ግዜ ውድድርን 7 መድረኻትን ዝሓቖፈ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ሩዋንዳ፡ ብድምር 911.6 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ክሽፍን እዩ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ክለብ ኣስቤኮን ብደረጃ ጋንታ ኣብ ምስታፍ ክርከባ እንከለዋ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካሜሩን ንዝተኻየደ ዙር ግራንድ ፕሪክስ ቻንታል ቢያ ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድ (Bike Aid) መኽሰብ ደበሳይ ከኣ፡ ንጀርመናዊት ክለቡ ወኪሉ ይወዳደር ኣሎ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0