ወትሃደራዊ ኣዛዚ ቡርኪናፋሶ ስልጣን ንሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣረኪቡ

ወትሃደራዊ ኣዛዚ ቡርኪናፋሶ ስልጣን ንሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣረኪቡ

Radio Erena: 18 November 2014

Burkina Faso

ኣብ ቡርኪ ፋሶ ስልጣን ጨቢጡ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ኣዛዚ፣ ስልጣኑ ንሲቪላዊ መሰጋገሪ መራሒ ሓድሽ መንግስቲ ኣረኪቡ።

መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምራሕ ብግዝያውነት ናይ ፕረዚደንት ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ነበረ ሚካኤል ካፋንዶ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናይ ምርጫ መደባት ክሰርዕ ምዃኑ’ውን ካብታ ሃገር ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ ኣምልኪቱ።

72 ዝዕመት ዝዕድሚኡ ሚካኤል ካፋንዶ፣ ብዝግያውነት ስልጣን ክርከብ ኣብ ስምምዕ ዝተብጽሐ፣ መራሕቲ ሃይመኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን፣ መራሕቲ ፖለቲካውን ሰልፍታትን ኣብ ዝተኣከብሉ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ።

 

ኣብቲ ክሳብ ሰኑይ ረፋድ ዝቀጸለ ጉባኤ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚካኤል ኩፋንዶ ዝርከቦም ክልተ ጋዜጠኛታትን ሓደ ናይ ሕግን ፖለቲካን ምሁርን፣ ኣርባዕተ ሕጹያት ንስልጣን ግዝያዊ ፕረዚደንት እኳ እንተቀረቡ፣ ጉባኤኛታት ንኩፋንዶ’ዮም መሪጾም።

እቲ ኣብ እዋን መንግስቲ ካምፓኦረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዘገልገለ ካፋንዶ፣ ኣብቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝካየድ ምርጫ’ውን ክወዳደር ከምዝደሊ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ነበረ ብሌዝ ካምፓኦረ ብዝህባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምእላዩ ኣብ 31 ጥቅምቲ ናብ ስልጣን ዝደየበ ሌተናንት ኮለነል ኢሳቕ ዚዳ፣ ስልጣኑ ንስቪላዊ ምምሕዳር እንተዘየረኪቡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ እገዳ ክግበረሉ ምዃኑ ከጠንቕቕ ጸኒሑ’ዩ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0