ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ደለይቲ ፍትሒ፣ ብደረጃ ኣህጉር ክጥርነፍ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 02 February 2020

በብሃገራትን ከተማታትን ክጥርነፍ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ደለይቲ ፍትሒ፣ ብደረጃ ኣህጉር ክጥርነፍ ጻውዒት ቀሪቡ።

እቲ ድሮ በብሃገሩ ቆይሙ ዘሎ ባይቶታትን ጽላላትን ይኣክል ናብ ዝለዓለ ደረጃ ብምብራኽ፣ ሓደ ዓለምለኻዊ ጽላል ኤርትራውያን ዝኾነ ባይቶ ንምቛም፣ እቲ መስርሕ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንኽጅመር፣ እዩ እዚ ጻውዒት’ዚ ቀሪቡ።

ካብ’ዘን ድሮ ጥርናፈ መስሪተን ዘለዋ ሃገራት ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝተላእከ ደብዳቤ ከምዘመልክቶ፣ እተን ብሕጂ ብደረጃ ሃገር ንምጥርናፍ ኣብ መስርሕ ዘለዋ ጽላላት፣ ስርሐን ኣብ ዝወዳኣሉ፣ ነቲ ዓለምለኻዊ ጽላል ክጽምበርኦ ከምዝኽእላ ሓቢሩ።

ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፣ በብውልቀሰብ ጀሚሩ፣ ናብ ከተማታትን ሃገራትን ውዳበ ብምዕራግ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ኤርትራ ንዝርከብ ህዝብና፣ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ ዘሎ ጥርናፈ እዩ። እዚ ጥርናፈ’ዚ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ከይቅጽል፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝሓደሮ ስግኣት ተበጊሱ፣ ሓያል ናይ ምክትታልን ምጽንጻንን መስርሕ የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Berhane Haile 4 years ago

    ስርዓት ኢሰያስ ንመምርሒ ትራምፕ ተቓዊሙ ኣበይ እዩሞ ክበጽሕ? ኣበይ ኣለካ ዘይበሉዎስ ኣብዚ ኣለኹ በለ እዩ ነገሩ።