ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዘንበረቶ ናይ ኢሚግሬሽን ቪዛ ማዕቀብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነጺጉዎ

Radio Erena: 02 February 2020

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዘንበረቶ ናይ ኢሚግሬሽን ቪዛ ማዕቀብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነጺጉዎ።

እቲ ብመልክዕ እማመ ቀሪቡ ዝጸንሐ ናይ ቪዛ ማዕቀብ፣ ንኤርትራ፣ ኪርጊስታንን ሚያንማርን ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ካብ ዕለት 21 ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ።

ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ማዕቀብ ቪዛ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እተን ሃገራት ንጸጥታን ምልውዋጥ ሓበሬታን ብዝምልከት ምስ ኣመሪካ ብዘይምስምመዐን ከምዝኾነ ገሊጹ።

እዚ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ናይ ኢሚግሬሽን ማዕቀብ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስድራቤታት ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኾነ፣ ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላት ኣመሪካ ይገልጹ’ለዉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ውሳኔ ፖለቲካዊ ድፍኢት ከምዘለዎን ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ከምዝጸልዎን ገሊጹ። እንተኾነ መንግስ ቲኤርትራ ንኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ክሰጎ መደብ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0