ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዘተ ክቀርባ ኣመሪካ ክትደፍኣሉ ምጽንሓ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጹ

ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዘተ ክቀርባ ኣመሪካ ክትደፍኣሉ ምጽንሓ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 02 July 2018

US Ambassador in Ethiopia

ኤርትራን ኢትዮጵያን ንልዕሊ 17 ዓመታት ዝጸንሐን ምፍጣጥ ንምፍታሕ ናብ ናይ ዘተ መኣዲ ክቀርባ ኣመሪካ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዛ ክትሰርሓሉ ምጽንሓ ኣምባሳደራ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ራይኖር ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣምባሳደር ሎሚ 2 ሓምለ ምስ ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፣ ዕላማ ዑደት ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ፣ ብንጹር ብዛዕባ’ዚ ናይ ዘተን ሰላምን መስርሕ ንምዝርራብ ምንባሩ ኣነጺሩ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ብዶ/ር ኣብይ ዝተወስደ ተበግሶ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ እወታዊ ምላሽ ምርካቡ ብጽቡቕ ከምዝተቐበለቶ ዘመልከተ እቲ ኣምባሳደር፣ ሰላም እዘን ሃገራት ንሓድሕደን ጥራይ ዘይኮነ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣምባሳደር ራይኖር ብተወሳኺ፣ ሃገሩ ከም ኣውሓሲት ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ መጠን፣ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ንሰላም ብዝልዓለ ንጥፈት ክትዋስኣሉ ቅርብቲ ምህላዋ ሓቢሩ።

እቲ ኣምባሳደር ነዚ ዝሕብር ዘሎ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ምስ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ምስጢራዊ ዝርርብ ከምዘካየዱ ድሕሪ ምቅልዑ’ዩ።

ክልቲኤን ሃገራት እንደገና ናብ ረጽሚ ከይኣትዋ እንታይ ክግበር ኣለዎ ንዝብል ከኣ፣ ኣምባሳደር ራይኖር፣ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ኣብ እግሪ ተኽሉ ብምህላዉ ብሕጂ ናይ ዝካየዱ ርክባትን ዘተን ውጽኢታት ብምርኣይ’ዩ ክዝረበሉ ዝከኣል ኢሉ።

ብኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ንስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ከነተግብር ኢና ዝብል ተበግሶ፣ ብድፊኢት ኣመሪካ’ዩ ተኣዊጁ ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ’ውን እቲ ኣምባሳደር፣ ኣመሪካ ሃናጺ ተራ ጥራይ’ያ ተጻዊታ ክብል ኣረድዲኡ።

እቲ ካብ ወርሒ መስከረም 2017 ኣትሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመደበ ኣምባሳደር፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዘተ ሰላም ኢትዮጵያ እወታዊ ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ንፖሊስታት ኣመሪካ ምንቓፉ ዘለዎ ርእይቶ ክህብ ንዝቐረበሉ ዕድመ፣ ብዛዕባኡ ግብረ መልሲ ኣይህበሉን’የ፣ እቲ ዘገድስ ነቲ ናይ ዘተ ስምምዕ ብእወታ ምቅባሉ’ዩ ክብል ኣገንዚቡ።

ኣመሪካ፣ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ደሞክራስያዊት ሃገር ክትርእያ ድያ ንዝብል ንኤርትራ ዝምልከት ዛዛሚ ሕቶ፣ ብዛዕባ ፖሊስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ኢኹም ክትሓትዎ ዘለኩም ክብል ኣምባሳደር ራይኖር መሊሱ።

ኣመሪካ ኣብ ኤርትር ወግዓዊ ኣምባሳደር ከምዘይብላ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ባድመን ካልእ ንኤርትራ ዝተዋህበ ከባቢታትን ከይስሓበት፣ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክቐርብ ዝጸንሐ ቅድመ ኩነት ናይ ዘተ መኣዲ ከምዘይቅበል ን17 ዓመታት ክገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ፈላሚ ዘተ ንምክያድ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘበገሰ።

ዘተ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት ክካይድ ኣመሪካ ብውሽጢ ሓያል ድፍኢት ክትገብር ጸኒሓ’ያ እናተባህለ ንዝወሃብ ዘሎ ትንተናታት፣ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ራይኖር ምስ ጋዜጣ ስታንዳርድ ኣዲስ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ መራጎዲ ኮይንዎ ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0