ኢትዮጵያ፣ ኣብ ስደት ዝጸንሑ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ደርግ ብናይ ምሕረት ኣዋጅ  ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ስደት ዝጸንሑ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ደርግ ብናይ ምሕረት ኣዋጅ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

Radio Erena: 03 July 2018

kassa kebedeመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝኣወጆ ናይ ሰላምን ዕርቅን፣ ንእሱራትን ክሱሳትን ብምሕረት ኣብ ዝፈትሓሉ ዘሎ ግዜ፣ ኣብ ስደት ዝጸንሑ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደርግ ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።

በዚ መሰረተ አምባሳደር ካሳ ከበደን አቶ ተክሌ የሻውን ዝተባህሉ ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይቲ ብመንግስቱ ሃይለማርያም ዝምራሕ ዝነበረ ስርዓት ደርግ ናብ ሃገሮም ከምዝኣተዉ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ንሳቶም ናብ ሃገሮም ኣብ ዝኣትውሉ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር መራኸቢታትን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦሞም።

ምክትል ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን ምስቶም ናይ ደርግ ሰበ ስልጣን ነበር ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ስደት ዝርከቡ ካልኦት ኢትዮጵያውያን’ውን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብዚ ናይ ሰላምን ዴሞክራሳን መስርሕ ክጽንበሩ ደጊሙ ጸዊዑ።

እቲ ናይ ምሕረት ኣዋጅ፣ ነቶም ንሞት ተፈሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ይኹን ኣብ ስደት ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደርግ’ውን ከምዘጠቓልል ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዘሎ ናይ ምሕረት መስርሕ ሕጋዊ መልክዕ መታን ክሕዝ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ቀሪቡ ናይ ደገፍ ድምጺ ክወሃበሉ ብክኢላታት ሕጊ እታ ሃገር ይድፍኣሉ ኣሎ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0