ኤርትራን ሲሸልስን እተን እንኮ ብኮረና ቫይረስ ሞት ዘይመዝገባ ሃገራት ኣፍሪቃ

Radio Erena: 11 October 2020

ኣብ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ 10 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ ግዜ ልዕሊ 1.55 ሚልዮን ሰባት ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣመልኪቱ።

እቶም 1.29 ሚልዮን ሰባት ካብቲ ሕማም ክሓውዩ እንከለዉ፣ 37,921 ግና ሞይቶም።

ኣብዛ ኣህጉር እታ ዝወሐደ መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ መዝጊባ ዘላ ሃገር ሲሸልስ’ያ። 148 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ እቶም 144 ድሮ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ዝትፋነው’ዮም።

ካብተን ዝወሓደ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ዝተራእየልን ካልኣይ ድማ ኤርትራ ኮይና፣ ካብቶም 405 በቲ ቫይትረስ ዝተለኽፉ፣ እቶም 364 ዝሓው’ዩ ዮም።

እዘን ክልተ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ክልተ ሃገራት፣ እንተን እንኮ፣ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ሞት ናይ ዝኾነ ሰብ ዘይመዝገባ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር’የን።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0