ኡጋንዳ፣ ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ መበል 58 ዓመታ ጸንቢላ፣ እቲ 34 ዓመታት ብሓደ ፕረዚደንት’ያ ትምራሕ ዘላ

Radio Erena: 11 October 2020

ኡጋንዳ፣ ካብ ብሪጣንያ ናጽነታ ዝረኸበትሉ መበል 58 ዓመት ጸንቢላ።

እታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፣ ካብ 1894 ኣትሒዛ ን68 ዓመታት ኣብ መግዛእኦ ብሪጣንያ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ ኣብ 9 ጥቅምቲ 1962 ናጽነታ ረኺባ።

ካብ እዋን ናጽነታ ክሳብ 1986 ኣብ ዝነበራ 24 ዓመታት፣ ሸውዓተ መራሕቲ ብሰለማውን ጎነጻውን መገድታት ክቐያየሩ ዝረኣየት ኡጋንዳ፣ ኣብዚ 34 ዓመታት ግና ብሓደ ሰብ’ያ ትምራሕ ዘላ።

ብሓይሊ ብረት ናብ ስልጣን ዝመጸ፣ ወዲ 76 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሩ ሚሴቬኒ፣ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ተወዳዲሩ፣ ኣብ ዘለዎ መንበር ክቕጽል ከምዝደሊ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ መራሕቲ ብዕድመን ንውሓት ስልጣንን ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሃገር ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0