ኤምባሲ ኤርትራ – ሪያድ፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ ኤርትራውታን ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ

RADIO ERENA – Wednesday, 13 March 2024

ኣብ ሪያድ ዝመንበሩ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ መንበሪ ፍቓድ ከሕድሱ ንዘይክእሉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ኤምባሲ፣ ካብ 05 መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ደልዮም ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይክኣሉ፣ ብዝሖም ክንደይ ምዃኖም ንምፍላጥ ኣቐዲሞም ክምዝገቡዩ ሓቲቱ።

መንበሪ ወረቐቶም ዝወደቐ ወይ ዝተበላሸወ ይኹኑ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኤርትራውያን፣ ቅዳሕ ይኹን ኦርጂናል ናይ ኤርትራ ፖስፖርት ወይ መንነት ወረቐት ሒዞም ናብቲ ኤምባሲ ክመጽኡ ይንገሮም ኣሎ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታትውን ተመሳሳሊ ጻውዒታት እኳ እንተቕረቡ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ ከምዘይተመዝገቡ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 2017 /ም ብዘውጽኣቶ ኣዋጅ መሰረት፣ መንበሪ ፍቓድ ወጻእተኛታት ንምሕዳስ፣ ንነፍሲ ወከፈ ኣባል ስድራ፣ ወርሓዊ ዝሕተት ክፍሊት እናዛየደ ብምምጽኡ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብዘይ መንበሪ ወረቐት ክንበሩዮም ዝግደዱ ዘለዉ።

ኣብ ፈለማ ንሓደ ኣባል ስድራ 100 ሪያል ዝነበረ ወርሓዊ ክፍሊት ወጻእተኛታት ኣብዚ እዋን400 ሪያል ወይ ልዕሊ 100 ዶላር በጺሑ ኣሎ።

ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዋ ስድራ፣ መንበሪ ፍቓዳ ንምሕዳስ ወርሓዊ 500 ዶላር ክትከፍል ያ ትግደድ።

ኣብ ርእሲዚ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ፣ መድሕን ወይ ኢንሹራንስ ክህልወካ ውን ስለዘገድድ፣ እቲ ዝሕተት ክፍሊት ብድምር ክርአ እንከሎ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኖም ዮም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ወጻእተኛታት ዘማርሩ።

ብሰንኪዚ ሓያሎ ኤርትራውያ ስድራቤታት፣ ናብ ግብጺ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ቱርኪን ካልኦት ብቐሊሉ ክእተዋ ናብ ዝኽእላ ሃገራትን ክግዕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ነዚ ክገብሩ ዘይክኣሉ ኣዝዮም ብዙሓት ድማ ካብ ናብ ኤርትራ ምምላስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዘይ ኢቓም ወይ መንበሪ ፍቓድ ምጽናሕ ይሓይሽ ዝብል ምርጫ ሒዞም ይርከቡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ነቲ ንወጻእተኛታት ከቢድ ጾር ኮይኑ ዘሎ ወርሓዊ ክፍሊት፣ ዳግመግምት ክትገብረሉ ምዃና፣ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር፣ መሓመድ ኣልጀድዓን፣ ኣብዚ ሳልስቲዚ ገሊጹ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0