ኢትዮጵያ፣ ስዉር ዓጸባ ሃገራውን ኣህጉራውይን ቆላሕታ ከምዘድልዮ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Wednesday, 13 March 2024

ኢትዮጵያ፣ ክሕባእ ዝድለ ዘሎ ከቢድ ዓጸባ፣ ሃገራውን ኣህጉራውያን ቆላሕታ ከምዘድልዮ፣ ብፈረንሳ እትሕተም ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት ዓለም ዝኾነት፣ ለ ሞንድ ኣተሓሳሲባ።

እታ ጋዜጣ፣ ብ11 መጋቢት ኣብ ዘስፈረቶ ሓተታ፣ ኣብ 2024 ህዝቢ ብዓጸባ ክረግፍ ዘሕንኽዩ ድሕሪ ምባላ፣ ካብኡ ዝበኣሰ ድማ ብምስጢር ክተሓዝ፣ ክሕባእ ወይ ድማ ንመሳርሒ ፖለቲካ ክውዕል ምርኣይ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ 1973 ከምኡ ድማ 1984፣ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘህለቐ ናይ ዓጸባ ታሪኽ ከምዘለዋ ጋዜጣ ለ ሞንድ ኣዘኻኺራ።

ኣብዚ እዋንዚ ድማ ድሕሪቲ ኣብ 2020 ዝተወልዐን ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለን ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያን ደርቂን ዘስዓቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዓጸባ ክእውጅ እንከሎ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ግና ኣፍልጦ ኣይሃቦን።

90% ካብቲ ኣስታት 6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ትግራይ፣ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ዩ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣህጉራውያን ትካላት ግብረ ሰናይን ዝገልጻ።

ብደረጃ ሃገር ድማ፣ ኣስታት 120 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 10% ካብ ህዝባ ንሓደጋ ጥሜት ዝተቓልዐዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0