ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ፣ መርገጺ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ

Radio Erena: 26 August 2021

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን መርገጺ ኣመሪካን ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ኣመሪካ መሰል ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዩ ኢላ ስለእትኣምን፣ ንመርገጺኣ ዝቃወሙ እውን እንተኾኑ፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤምባሲ ሓሳቦም ንኽገልጹ ፍቓድ ሂባ’ያ፣ ድሕሪ ምባል፣ እንተኾነ ግን ገለ ተንተንቲ፣ ንፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብምጥምዛዝ ንፖለቲካዊ ኣጀንዳታቶም ይጥቀሙሉ ኣለዉ ኢሉ።
ኣመሪካ ንሓልታት ትግራይ ዝያዳ ትድግፍ ኣላ ዝብል ወቐሳ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ነዚ መብርሂ ክህብ እንከሎ፣ ኣመሪካ ካብ ፈለማ ናይቲ ኲናት ኣትሒዛ ከምዝገለጸቶ፣ እቲ ጉዳይ ብኲናት ዝፍታሕ ብዘይምዃኑ፣ ኩሎም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ቀሪቦም ሰላማዊ ፍታሕ ክረኽቡሉ እያ ጸዊዓ ኢሉ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ኣብ ዝኣተዉሉ ንኣብነት፣ ነቲ ኣመሪካ ፍጻሜ ብወግዒ ኮኒናቶ’ያ፣ ክብል ከም ኣብነት ጠቒሱ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ቅድመ ኩነት ከየቐመጡ፣ ብቕጽበት ኲናት ደው ኣቢሎም ክዛተዩ ዝጠልብ ጻውዒት ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ ይርከብ።
ዳግማይ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ፣ እቲ ኲናት ብሰላም ንኽዓርፍ ዘለዎ ተስፋ ዘማህምን እዩ ዝብል እቲ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ጠቕሊሉን ንሓዋሩን ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጽእ ጸዊዑ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0