ሲቪካውያን ማሕበራት ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጻር መራሕቲ’ታ ሃገር ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዖም

Radio Erena: 26 August 2021

ሲቪካውያን ማሕበራት ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጻር መራሕቲ’ታ ሃገር ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዖም።
እዚ ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት ክካየድ ተጸዊዑ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲትን፣ ምኽትሉ ሪክ ማቻርን ስልጣኖም ክገድፉ ዝጽውዕ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ሲቪካውያን ማሕበራት ደቡብ ሱዳን ‘ህዝባዊ ጥምረት’ ዝብል ሓድሽ ልፍንቲ ብምቛም፣ መራሕቲ’ታ ሃገር ስልጣኖም ክገድፉን ሓድሽ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከልን እዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።
ሳልቫ ኪርን ምኽትሉ ማቻርን ንህዝቢ ብዓሌትን ፖለቲካዊ መኽሰብን ብምፍልላይ ነንሓድሕዱ ኣተፋኒኖሞ ከይኣክል፣ ነታ ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ይሸሙዋ ኣለዉ ክብሉ’ዮም እቶም ምንቅስቓሳት ዝኸሱ ዘለዉ።
ደቡብ ሱዳን ናጻ ሃገር ካብ እትኸውን ካብ 2011 ጀሚሩ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ክኸውን ከምዝኽእል ዝንገረሉ ዘሎ እዚ ህዝባዊ ኣብያ፣ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብ መንግስታውያን ቤት ጽሕፈታት ኮፍ ብምባል፣ መንገድታት ብምዕጻውን ካልእን ብምክያድ፣ ነቲ መንግስቲ ንምድኻም ዝዓለመ ምዃኑ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ገሊጾም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ከተማ ጁባን ካልእ ከባቢታትን’ታ ሃገር ንዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ፣ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ህዝባዊ መኣከቢ ቦታታት፣ ሰብ ብብዝሒ ዝርኣየሉ ከባቢታት፣ ዓበይቲ ጎደናታት ከተማ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ናዕቢ ክካየደሎም ዝኽእል ቦታታት ከወግዱ እዩ ሕቡራት ሃገራት ዘጠንቅቕ ዘሎ።
ሳልቫ ኪርን ሪክ ማቻርን፣ ሃገር ክመርሑ ብቕዓት ስለዘይብሎም፣ ነታ ሃገር ናብ ፍጹም ውድቀት የምርሑዋ ኣለዉ፣ ስለዚ ከኣ ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣኖም ገዲፎም፣ ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎም መራሕቲ ክትክዎም ኣለዎም ክብል ምንቅስቓስ ‘ህዝባዊ ጥምረት’ ተቓውሞኡ ይገልጽ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0