ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ናብ ጅቡቲን ሶማልን ይበጽሕ

Radio Erena: 06 November 2019

ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ጀነራል ስቴፈን ታውንሰንድ ናብ ጅቡቲን ሶማልን ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ መራሒ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ናብዘን ሃገራት ዑደት ዘካየደ፣ ኣብ ምምካት ሽበራውያን ሓይልታት ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት ዓሙቕ ምምይያጥ ንምክያድ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንሱ፣ ብሰኑይ 4 ሕዳር ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለን ላዕለዋት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገርን ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ተልእኾታት ሰራዊት ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ተመያይጡ።

ብ5 ሕዳር ናብ ሶማል ድሕሪ ምምርሑ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ ዘትዮ።

ኣመሪካ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ 55 ግዜ ናይ ነፈርትን ሰብ ኣልቦን ደብዳብ ከምዘካየደት’ያ ትጠቕስ።

ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብልዕሊ 30% ሚእታዊት ዛይዱ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ 2018፣ 47 ግዜ ኣብ 2017 ከኣ 35 ግዜ ደብዳባት ምክያዳ ንኣፈኛ ሓይሊ ኣየር እዚ ኣፍሪቃ ሰራዊት ኣመሪካ ኮለነል ክሪስ ካርንስ ብምጥቃስ ሚሊታሪ ታይምስ ኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ ኣልሸባብ ኣብ ሶማል ጥራይ ዘይኮነ ዞባውን ኣህጉራውያን ስግኣት ናይ ምዃን ዓቕሙ እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይእንፍቱ።

ኣብ ሶማል፣ ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 7 ሽሕ ዕጡቃት ኣልሸባብ፣ ክሳብ 300 ዝብዝሖም ከኣ ኣባላት ዕጡቓት ዳዒሽ ከምዝንቀሳቐሱ ገምጋም ኣመሪካ የመልክት።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0