ቀጠርን ቱርኪን ዝምድንአን ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ንምብራኽ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 06 November 2019

ቱርኪን ቀጠርን፣ ዝጸንሕን ዝምድና ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ንምብራኹ ከምዝተሰማምዓ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ትማሊ ሰሉስ 5 ሕዳር፣ ኣኼባ ሚኒስተራት ክልትኤን ሃገራት፣ ኣብ ከተማ ኣዶሓ ኣብ ዝተኻየደሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተመርሐ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ 2017 ንቀጠር ኣብ ከበባ ኣብ ዘእተወሉ እዋን፣ ቱርኪ ኣብ ጎኒ ቀጠር ደው ምባላ ይፍለጥ።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ቁጠባ ዝጸንሐን ምትሕግጋዝ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ቱርኪ ኣብ ቀጠር ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ናይ ምስፍሑን ምዕባይን መደባት ኣተግቢራ’ያ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ብመንገዲ ቀጠር ኣብ ሶማልን ሱዳንን ዝተጀመረ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከራት ክትመርሕ፣ ቱርኪ ሓላፍነት ተዋሂቡ’ዩ ጸኒሑ።

ቀጠርን ቱርኪን፣ ብ “ሕውነት ኣስላም” ዝፍለጥ ብደረጃ ዓለም ዝነጥፍ ምንቅስቃስ ይድግፋ’የን ብዝብል ምኽንያት፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ግብጺን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ይወቕስአን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቀጠር፣ ስዑዲ ዓረብ ብዝመራሒተን ሃገራት ወሽመጥ ዝተገብረላ ከበባ፣ ክትብንጥስ ከምዝኸኣለት ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ሓመድ ከሊፋ ኣልታኒ፣ ንሃገራዊ ባይቶ ወይ ሹራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0