ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ብውሕዱ 36 ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ብውሕዱ 36 ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝሞቱ ተገሊጹ

Radio Erena: May 12, 2014

Refugees in Libya

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝተሓለት ጃልባ ብውሕዱ 36 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ይግለጽ ኣሎ። ዜግነት ናይቶም ግዳያት ዛጊት ብንጹር ኣይተሓበረን።

እታ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 130 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝተበገሰትሉ እዋን ከምዝጠሓለተ ዝሓበሩ ምንጭታት ዜና ሊብያ፣ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ብዘካየዶ ህይወት ናይ ምድሓን መስርሕ 52 ሰባት ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ኣፍሊጡ።

 

እንተኾነ ናይ ኣስታት 50 ዝኾኑ ህወይ ዛጊት ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፣ ቁጽሪ ግዳያት እቲ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ እናተበግሰኡ ናብ ኢጣልያ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ናብ ኣሽሓት ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዝበዝሑ ካብቶም ናብ ኢጣልያ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ድማ ኤርትራውያን’ዮም።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0