ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነቲ ገና ኣብ መወዳእታ ዘይበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ጅቡትን ንምዕዋቱ ጻዕርታት ክቕጽል ተማሕጺኑ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነቲ ገና ኣብ መወዳእታ ዘይበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ጅቡትን ንምዕዋቱ ጻዕርታት ክቕጽል ተማሕጺኑ

Radio Erena: May 12, 2014

Au Commissioner

ሕብረት ኣፍሪቃ ንስምምዕ ሰላም ኤርትራን ጅቡትን ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ መወዳእታ ፍጻሜኡ ንኽበጽሕ ጻዕርታት ምትሕብባሩ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

እቲ ሕብረት ነዚ ዝገለጸ፣ ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ስማዒል ቸሩጊ ኣብ ጅቡትን ኤርትራን ዑደት ብምክያድ ምስ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ድሕሪ ምዝርራቡ፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ዩ።

እቲ ኮሚሽነር፣ ብ19 ሚያዝያ ናብ ጅቡቲ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ተዘራሪቡ’ዩ ብ6 ግንቦት ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ።

 

ኣብ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጉዳያት ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ጅቡትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብምይያጥ፣ ዝምድና እዘን ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ንቡር እንተተመሊሱ፣ ንጸጥታን ሰላምን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ግንቦት 2008 ግጭት ድሕሪ ምክያደን፣ ኣብ 2010 ብመንጎኝነት ቐጠር ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተማን ቐጠር ድማ ናብቲ ዘሰሓሓበ ከባቢታት ተዓዛቢ ሰራዊት ከምዘዋፈረትን ይዝከር።

እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ምልውዋጥ ምሩዃት ኵናትን ካልእ ነጥብታትን ክሰማምዓ ብዘይምኽኣለን፣ እቲ ኣብ 2010 ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ክርአ ኣይከኣለን።

ጅቡቲ፣ 19 ምሩዃት ኵናት ኣብ ቀይዲ ሒዛቶም ከምዘላ ብወግዒ ከተፍልጥ እንከላ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ሒዝዎም ኣሎ ንዝብሃል ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሀበን።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0