ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ትበርር ዝነበረት ወትሃደራዊት ሄሊኮፕተር ሱዳን ወዲቓ ተሓምሺሻ

Radio Erena: 13 January 2021

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ትበርር ዝነበረት ወትሃደራዊት ሄሊኮፕተር ሱዳን ወዲቓ ተሓምሺሻ።

እታ ሄሊኮፕተር፣ ሎሚ ረቡዕ 13 ጥሪ፣ ኣብ ገዳርፍ፣ ካብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ወዲ ዛይድ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ነዊሕ ከይተጎዓዘት ከምዝወደቀት ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ክልተ ኣብረርታን ሓደ ናይ በረራ ቴክኒሻንን፣ ብህይወት ክድሕኑ ክኢሎም ኣለዉ።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ጸጸኒሑ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ እናዓረገ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሰራዊተን ናብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ይጓርታ ምህላወን ይፍለጥ።

ሱዳን፣ ዝነዝሐ እቲ ን26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተወሪሩ ጸኒሑ ዝበለቶ ክፋል መሬታ ከምዘምለሰት ክትገልጽ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ብወገና፣ ሰራዊት ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሱ መጥቃዕቲ ይፍጽም ምህላዉ’ያ ትወቕስ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0