ኣብ ዶብ ኬንያን ሶማልን ሸውዓተ ወትሃደራት ብዝተጻወደ ነታጕ ተቐቲሎም

Radio Erena: 13 January 2021

ኣብ ዶብ ኬንያን ሶማልን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሰራዊት ኬንያ፣ ብዝተጻወደ ነታጕ ሸውዓተ ካብ ወትሃደራቱ ከምዝሞቱ መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ሓቢሩ።

እቲ ሰራዊት፣ ብ12 ጥሪ፣ ዶብ ሰጊሩ፣ ኣብ መሬት ሶማል፣ ብመኪና እናተንቀሳቐሰ እንከሎ፣ ዝተጻወደ ነታጕ ድሕሪ ምፍንጃሩ፣ ብውሕዱ ሸውዓተ ወትሃደራት ኬንያ ክሞቱ እንከለዉ፣ ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብ ዶብ ዝርከብ ሰራዊት ኬንያ፣ ኣብ 24 ሰዓታት፣ እዚ ንኻልኣይ እዋን መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደሉ ብወገን ኬንያ ይግለጽ ኣሎ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

እንተኾነ እቲ ፍጻሜ፣ ኣብ እዋን ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 15 ጥሪ 2019 ኣልሸባብ ዝፈጸሞ፣ ልዕሊ 150 ወትሃደራት ኬንያ ዝቐተለ መጥቃዕቲ የጋጥም ምስ ምህላዉ፣ ሓያሎ ወገናት ነቲ ሽበራዊ ጉጅለ ተሓታቲ ጌሮሞ ኣለዉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0