ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ሓዲሽ ወጥሪ ተኸሲቱ

Radio Erena: 25 July 2021

ሱዳን ብቀዳም 24 ሓምለ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ዶብ ከምዝዓጸወቶ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ሱዳን ነዚ ስጉምቲ’ዚ ክወስድ ዘገደዶ፣ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝኾነ ካፕቴን ባሃ ኣዲን-ዮሱፍ ኣብ ከባቢ’ቲ ዶብ ድሕሪ ምስዋሩ ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ኣቐድም ኣቢሉ ሰለስተ ኣብ ክሊ ዕድመ 10 ክሳብ 15 ዝርከቡ ሱዳናውያን ተመሃሮ ብምልሻታት ኣምሓራ ናይ ኢትዮጵያ ተጨውዮም ዝብል ጥርዓን ካብ ህዝቢ ቀሪቡ’ዩ።
እቲ ኮማንደር ብዓርቢ 23 ሓምለ ምስ ብጾቱ ኣብ ምድላይ’ቶም ዝተጨውዩ ተመሃሮ እንከሎ እዩ ደሃይ ኣጥፊኡ። በዚ ዝተጎሃሃረ ወጥሪ፣ መንግስቲ ሱዳን ዶባቱ ክዓጹ ከምዘገደዶ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ይገልጻ።
ነዚ ፍጻሜ’ዚ ዘራጎዱ ወተሃደራውያን ምንጭታት ብተወሳኺ፣ ኣብ ከባቢ ዶብ ጀበል ኣቡ ራንጉል ዝተባለ ቦታ ኣብ መንጎ ምልሻታት ኣምሓራን ሰራዊት ሱዳንን ብዘጋጠመ ግጭት፣ ሓደ ወተሃደር ሱዳን ከምዝተቐትለ ይገልጹ።
ድሒሩ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እቶም ዝጨወዩ ተመሃሮ ናጻ ክወጹ፣ ወለዶም ገንዘብ ክኸፍሉ ዝቕስብ መልእኽቲ ከምዝተላእከ ተፈሊጡ።
ብዓርቢ 23 ሓምለ ካብ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብ ከተማ መተማ ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዝነበረ ዝገልጹ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ድኳናት፣ ቤት ሻሂታትን ካልኦት ንግዳውያን ትካላትን ከምዝዕጸዋ ከምዝተገብረ ሓቢሮም።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኲናት ከይእውጁ ኣብ ስምምዕ እኳ እንተበጽሑ፣ ብምልሻታት ተወላዶ ኣምሓራ ዝካየድ ምትንዃላት ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ነበርቲ’ቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት፣ ነቲ ስምምዕ ከየፍርሶ ስግኣት ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0