ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ዶባተን ክሰግሩ ንዝተሓዙ ስደተኛታት ዝቐጽዕ ተወሳኺ ስጉምታት ክወስዳ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 25 July 2021

ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ዶባተን ክሰግሩ ንዝተሓዙ ስደተኛታት ዝቐጽዕ ተወሳኺ ስጉምታት ክወስዳ ተሰማሚዐን።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ካብ ፈረንሳ ዶብ ሰጊሮም ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝኣተዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ናብ 430 ክብ ምባሉ፣ እተን ክልተ ሃገራት ዝጸንከረ ስጉምቲ ክወስዳ ከምዘገደደን ሰበስልጣናተን ገሊጾም።
ብዘይካ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ተግባር ዝወዓለ ዝተራቐቐ መሳርሒታት ተፍትሽ፣ ተወሰኽቲ ሓይልታት ፖሊስ ኣብ ክሊ ዶባተን ክዋፈሩ እተን ክልተ ሃገራት ተሰማሚዐን ኣለዋ። ብተወሳኺ ክሰግሩ ንዝተታሕዙ ስደተኛታትን ኣሰጋገርትን፣ ዝወሃቦም ዝነበረ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ፣ ክውስኽ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ እዚ ሕጊ ክጸንዕ ዝተኣትወ ስምምዕ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክሳብ ናይ 4 ዓመታት ማእሰርቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲ ከኣ ክሳብ ንሕልፈት ማእሰርቲ ክብየን ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

ከምዝፍለጥ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ሓያል መከራ ከምዝርእዩን ህይወት’ውን ዘኽፍል ጉዕዞ እዩ።
ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ከምዝገልጾኦ፣ ኣብዛ ዓመት’ዚኣ ልዕሊ 8,450 ስደተኛታት በዚ መስመር’ዚ ናብ ብሪጣንያ ሰጊሮም ኣለዉ። ገና ኣብ ፍርቂ ዓመት ምስ ናይ 2020 ዝመጣጠር ቁጽሪ ምዃኑ፣ ኣብ ሓለዋ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ ፈረንሳ፣ ናብ ሃገራ ንዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ምስ ስጳኛን ኢጣልያን ዘዳውባ ከባቢታት፣ ሓለዋ ከተጽንዕ እያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0