ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለነ ኤርትራዊ፣ ብሓደጋ መኪና ህይወቱ ስኢኑ

ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለነ ኤርትራዊ፣ ብሓደጋ መኪና ህይወቱ ስኢኑ

Radio Erena: 09 August 2017

Calais Dunkirk

ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለነ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ መንእሰይ፣ ብሓደጋ መኪና ህይወቱ ከምዝሰኣነ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ዳንኬርክ ካብ ዝተባህለ ከባቢ ካሌ ዝተበገሰ መንእሰይ፣ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኡ ድሕሪ ምስቓሉ፣ እታ መኪና፣ ኣብ ክንዲ ናብ ብሪጣንያ ናብ ቤልጁም ተቕንዕ ከምዘላ ምስ ፈለጠ፣ መካይን ብናህሪ ኣብ ዝሕንበባሉ ኣውራ ጽርግያ፣ ዘሊሉ ክወርድ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን’ዩ ብኻልእ መኪና ተረጊጹ፣ ናብ ዓርቢ 4 ነሓሰ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ህወይቱ ዝሓለፈ።

እቲ መንእሰይ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ መንነቱ ግና ብንጹር ኣይጠቐሳን።

ካብ ወደብ ካሌ ናይ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ብሓደጋ ባቡራትን ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይንን ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 10ታት ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ፖሊስ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ’ውን፣ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ብቕትለት ፖላንዳዊ መራሒ መኪና ከምዝተቐየዱ ኣይርሳዕና።

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለኑ ዓሰርተ ዝኾኑ ስደተኛታት፣ መካይን ብናህሪ ናብ ዝሕምበባሉ ኣውራ ጎደና ብምእታው፣ ናይ ጽዕነት መካይን ብምዕጋት ክስቀሉ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፣ ሓንቲ ብፖላንዳዊ እትምራሕ መኪና ምስ ካልእ መኪና ተጋጭያ ብዝተፍጥረ ባርዕ’ዩ እቲ መራሒ መኪና ሞይቱ።

መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ካሌን ደቡባዊ ከተማ ፓሪስን ኣብ ጎደናታት ንዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ንምብታን ተደጋጋሚ እዋን ስርሒታት ዘካይድ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝውሕዙ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ሓተቲ ዑቕባ ኣብቲ ከባቢታት ደጊሞም ክተኣኻኸቡ’ዮም ዝርኣዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0