ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት’ያ

ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት’ያ

Radio Erena: 09 August 2017

Turkey Somalia

ቱርኪ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ መዓስከር ተቕውም ምህላዋ ንወትሃደራውያን ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኒውስዊክ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዓብዱራሽን ዓብዱላሂ መሓመድ ነቲ ማዕከን ዜና ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ቱርኪ ኣብ ንኽህነጽ ክልተ ዓመታት ወሲዱ ዘሎ ወትሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ ኣብ ሶማል ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ብወግዒ ክምረቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ወትሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት 1500 ወትሃደራት ከእንግድ ትጽቢት ይግበረሉ።

ቱርኪ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2015 ቀጠር ዝሃነጸቶ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ካብ መሬታ ወጻኢ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት እዚ ናይ ሶማል ንኻልኣይ እዋና’ዩ።

ቱርኪ ኣብ ሶማል ክትሃንጾ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ መዓስከር ብወግዒ ክትከፍት ምዃና ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ቀጠር ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ድሕሪ ምክያዳ’ዩ።

ብድኽነትን ደርቂን ዝተፈልጠ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ እቲ ዞበዝሐ ናይ ወጻኢ ሃገራት ወትሃደራዊ መዓስከራት ኣእንጊዱ ዘሎ ዞባ ኣፍሪቃ’ዩ።

ኣብ ጅቡቲ፣ ናይ ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ቻይናን፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣመሪካ መናሃርያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ሶማል ናይ ቱርኪ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ይቐውን ኣሎ።

ኣብ ቀርቢ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ወትሃደራዊ መዓስከር ወጻኢ ሃገራት ኣእንጊዳ ዘላ፣ እታ ኣብቲ ዞባ ዝነኣሰት ሃገር ጅቡቲ’ያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ሶማል ስሒቡ ዝጸንሐ ሰራዊታ ናብታ ሃገር ይምለስ ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0