ኣብ ወደብ ካሌ ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ፖሊስን ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት ወጥሪ ሰፊኑ

ኣብ ወደብ ካሌ ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ፖሊስን ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት ወጥሪ ሰፊኑ

Radio Erena: 25 January 2016

Caials fighting

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ናይ ፈረንሳ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ወደብ ጥሒሶም ብምእታዎም፣ ወደብ ካሌ ንግዚኡ ተዓጽዩ።

እቶም ስደተኛታት ብብሪጣናውያንን ፈረንሳውያንን ተጣበቕቲ ተመሪሖም፣ ንሓይልታት ጸጥታ ብምጣስ ናብ ወደብ ካሌ ድሕሪ ምእታዎም፣ ናብ ሓንቲ ካብተን ብሪጣንያ ዝተበገሳ መራኽብ’ዮም ደይቦም።

ብተጣበቕቲ እናተመርሑ ናብ ወደብ ካሌ ዘእቱ ሓጹር ድሕሪ ምስባር ከኣ’ዮም ናብ ሓንቲ ካብተን መራኽብ እናጎየዩ ኣትዮም።

እታ መርከብ ስደተኛታት ወሪሮም ስለዝኣተዉዋ ጉዕዞኣ ክትስርዝ እንከላ፣ ናብታ መርከብ ወሪሮም ዝኣተዉ ስደተኛታትን ተጣበቕትን ብፖሊስ ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

 

ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ብዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻብ መሰረት ከኣ ኣብ ቀይዲ ናይ ዝኣተዉ ስደተኛታት ብዝሒ 35’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ብቀዳም ናይ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ኣብ ካሌ ጽኑዕ ሓለዋን ቁጽጽርን ይግበር ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ከኣ ኣንጻር እቲ ናይ ፖሊስ ጎነጽ ሰላምዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ከንቲባ ወደባዊት ከተማ ካሌ ናታሻ ቡሻር፣ ኣብ ካሌ ተወሰኽቲ ሓይልታት ጸጥታ ክሳብ ዝዋፈሩ እቲ ወደብ ንግዚኡ ክዕጾ’ያ ወሲና።

ንሓያሎ ሰዓታት ካብ ኣገልግሎታት ተዓናቒፉ ዝጸንሐ ወደብ ካሌ ትማሊ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ብጽኑዕ ሓለዋ ኣገልግሎቱ ጀሚሩ ይርከብ።

ምምሕዳር እታ ከተማ ህጹጽ ኣኼባ ክካየድ’ውን ንመንግስቲ ሓቲቱ።

ፈረንሳ ነቲ ወደብ ንምቁጽጻር እኹል ብዝሒ ሓይልታት ጸጥታ ከምዘየዋፈርት እትወቕስ ዘላ ብሪጣንያ፣ ተወሰኽቲ ወትሃደራት ናብቲ ቦታ ክትልእኽ ተማሕጺና።

ኣብ ወደብ ካሌን ከባቢኡን፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 6 ሽሕ ስደተኛታት ተኣኻኺቦም ኣለዉ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0