ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ነጻጊ ፖሊሲ ዘለዋ ጃፓን ኣብ ዓመተ 2015 ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቢላ

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ነጻጊ ፖሊሲ ዘለዋ ጃፓን ኣብ ዓመተ 2015 ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቢላ

Radio Erena: 25 January 2016

Japa

ጃፓን ኣብ ዓመተ 2015 ፖለቲካዊ ዑቕባ ካብ ዝሃበቶም 27 ሰባት እቶም ክልተ ኤርትራውያ ምኻኖም ተገሊጹ።

ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዘይትህብ እትፍለጥ ጃፓን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ 7586 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ነቶም 27 ጥራይ’ያ ተቐቢላቶም።

እዚ ቁጽሪ’ዚ ድማ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም እታ ሃገር ዝበዝሐ ዝተቐበለቶ ቁጽሪ ስደተኛታት ምኻኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እታ ሃገር ኣብ ዓመተ 2014 ን11 ስደተኛታት ጥራይ’ያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሂባ።

ምስዚ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ 2015 ክነጻጸር እንከሎ ከኣ ብልዕሊ 50 ሚእታዊት ኣዛይዳቶ ማለት’ዩ።

 

ጃፓን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ዑቕባ ዝሃበቶም 27 ስደተኛታት እቶም ሽዱሽተ ኣፍጋኒስታን፣ ሰለስተ ሶርያ፣ ሰለስተ ስሪላንካ፣ ሰለስተ ከኣ ካብ ኢትዮጵያ፣ ክልተ ካብ ኔፓል፣ ክልተ ከኣ ካብ ኤርትራ ዝመጹ’ዮም።

ዝበዝሑ ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ጃፓን ዜጋታት ኔፓል ክኾኑ እንከለዉ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ኢንዶነዥያ፣ ሳልሳይ ቱርኪ፣ ራብዓት በርማ፣ ሓሙሻይ ከኣ ዜጋታት ቬትናም’ዮም።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ጃፓን ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር እታ ሃገር ምስ ዘለዋ ርሕቐትን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘለዋ መርገጽን ኤርትራውያን ብብዝሒ ክኣትዉዋ ከምዘይርኣዩ ይፍለጥ።

ጃፓን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብዘለዋ ነጻጊ መርገጺ ንልዕሊ 99 ሚእታዊት ናይቲ ዝቐረበ ሕቶ ዑቕባ ኣይትቕበልን’ያ።

እዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ 8 ሽሕ ዘይበጽሐ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ’ውን ነታ ሃገር ኣሻቒሉዋ ከምዘሎ ንመግለጺ ሚኒስተሪ ፍትሒ ብምጥቃስ  ጋዜጣ ኣሻሂ ሺምቡና ኣብ ዓንቐጻታ ኣስፊራ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0