ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ 29 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ክቃለለላ ሓቲታ

Radio Erena: 01 October 2021

ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ ዝተዋህለለ ዕዳ ንኽቓለለላ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ።

ብኣለቃሕቲ ሃገራትን ፊናንስያውይን ትካላትን ዝቖመ ኮሚተ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ኣሕመድ ሺደ ምስ ዝተመርሐ ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕዳ ክቃለል ብወግዒ ሓቲቱ።

ቁጠብኣ ብቅልጡፍ ዘንቆልቁል ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ዘለዋ ኣስታት 29 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ውህሉል ዕዳ ክቃለለላ፣ ሓምለ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጉጅለ 20 ሃብታም ሃገራት ሕቶ ከምዘቕረበት’ውን ይዝከር።

ዕዳ እዛ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝኾነትን ኣብ ኵናት ተሸሚማ እትርከብን ሃገር ንምቕላል ዘኽእል ዘተ ክካየድ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ኣለቓሕቲ ኮሚተ ከቕውም ብዝቐረበሉ ጻውዒት መሰረት ድማ’ዩ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ክውድብ ክኢሉ።

ዕዳ ኢትዮጵያ ንምቅላል ዝቖመ ናይ ኣለቓሕቲ ኮሚተ 12 ሃገራት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ብወኪል ፈረንሳ ይምራሕ።

እብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ቁጠብኣን ብቅልጡፍ ካብዝ ወድቕ ዘሎ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና ኣላ።

ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ሓንቲ ካብተን ንወፍሪ ዝዕድማን ናይ ክልተ ድጂት ዕብየት ቁጠባ ድማ ዘመዝግባን ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ ኔራ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ኣትዮም ንዝበሎም ሸውዓተ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዙ።

እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ብወግዒ ተቓዊምዎ ኣሎ።
==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0