መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸውዓት ኣባላት ትካላት ረዲኤት ምስጓጉ ከምዘይቅበሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 02 October 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸውዓት ኣባላት ትካላት ረዲኤት ምስጓጉ ከምዘይቅበሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ነቲ ድሮ ኣሸጋሪ ኮይኑ ዘሎ ምብጽጻሕ ረዲኤት ናብ ግዳያት፣ ምስጓግ’ዞም ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይቅቡልን ሕጋዊ ባይታ ዘይብሉን’ዩ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገሩ ክወጹ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ምትእትታው ገሮም ብዝብል ክሲ ምዃኑ ብሓሙስ 30 መስከረም ኣፍሊጡ’ዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ብዝምልከት ዝኾነ መርትዖ ከምዘይቀረበሉ ወሃብ ቃል’ቲ ውድብ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰራሕተኛታት ረዲኤት ካብ ዘቕረቦም ክስስታት ገለ፣ ንህዝቢ ዝተዋፈረ ረዲኤት ንሓይልታት ትግራይ ሂቦም፣ ንጸጥታ ብዝምልከት ዝተበጽሐ ስምምዕ ጥሒሶም፣ ናይ መራኸቢ መሳርሒታት ንህወሓት ኣመሓላሊፎም፣ ዝብል ይርከቦ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከብጽሓ ዝተላእካ መካይን፣ ጽዕነተን ኣራጊፈን ኣብ ክንዲ ዝምለሳ፣ ህወሓት ሰራዊት ኣብ ምምልላስ ከምዝጥቀመለን ገይሮም ዝብል ክሲ እውን ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሓድሽ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው ተወሳኺ ማዕቀብ ክውስን ዘተ ኣካዪዱ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ኣየርላንድ፣ ኤስቶንያ፣ ኖርወይን ፈረንሳን ነቲ ማዕቀብ ክድግፋ እንከለዋ፣ ሩስያን ቻይናን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ኢድ ምእታው እዩ ብምባል ከምዝተቓወማ ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታት የመልክቱ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ’ዚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፣ ብዉሑዱ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የተሓሳስብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0