ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ናብ ሱዳን ናይ ዝስደዱ ዘለው ብዝሒ ኢትዮጵያዉያን ልዕሊ 11 ሽሕ በጺሑ

Radio Erena: 13 November 2020

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘካየዶ ዘሎ ኵናት ናይ ዝሃደሙ ብዝሒ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 11 ሽሕ ከምዝበጽሐ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ሱዳን ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ ወኪል እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ዋሕዚ ኢትዮጵያውያን ሓተቲ ዑቕባ ብኣሽሓት ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ናብ ሱዳን ዝሃድሙ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፣ ዕጡቓት ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ምብራቕ ሱዳን፣ ድሮ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ኣዕቁቡ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ልዕሊ 200 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ክጽንበርዎ ከምዝኽእሉ ኣሚቱ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ፣ ነዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዘጋጥም ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ህጹጽ ሓገዛት ከበርክት ድማ ጻውዒት ቀሪቡ።

ናብ ትግራይ ዘእቱ መስመራት፣ ብሰንኪ ‘ቲ ኵናት ተዓጽዩ ብምህላዉ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብቲ ክልል፣ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተዓቝቦም ዘለው ኣስታት 110 ሽሕ ኤርትራውያን፣ ብኸቢድ ክጽልዉ ምዃኖም ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብዘይካ’ቲ ፈጢርዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ከቢድ ናይ ሰብ ክሳራታት የስዕብ ከምዘሎ’ውን ይጥቀስ እኳ እንተሎ፣ ካብ ክልትኡ ወገን ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ብዝሒ ብልክዕ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኵናትን ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተን፣ ኩሎም ኣብ ስልጣን ዘለዉን ሰበ ስልጣን ነበርን ከምኡ ድማ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተወላዶ ትግራይ ክእሰሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ኵናት፣ ኣብ ዝሓጸረ ክዛዘም ምዃኑ ዝገልጹ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኖም፣ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ከምዝተቖጻጸሩ ጸጸኒሖም ይሕብሩ እኳ እንተለዉ፣ ሓቕነቱ ግና ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ብወገን ትግራይ፣ ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ተቛሪጹ ምስ ምህላዉ፣ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ እኳ እንተሎ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመሓላለፋ ማዕከናት ዜና ትግራይ ግና ኣሽሓት ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉን ከምዝተማረኹ ይጠቕሳ ኣለዋ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0