ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ኣትሒዙ ካልኣይ ማዕበል ወራር ኣንበጣ ክኽሰት ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ቀሪቡ

Radio Erena: 12 November 2020

ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምምካት’የን ዝርከባ።

ብናይ በረኻ ዝፍለጥ ዕስለ ኣንበጣ፣ ካብ መጀምርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ፣ ኣብ ልሙዕ መሬት ከጥቅዕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሓረስቶት ምህርቶም ኣብ ዝእክብሉ እዋን ድማ ብዝያዳ ገኒኑ ይርከብ።

በዚ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ብዝያዳ ዝጥቅዓ ዘለዋ ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን’የን።

ብፍላይ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ብሰንኪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ጉድኣት ከምዝወረደ ክግለጽ እንከሎ፣ ኤርትራ ትከላኸሎ ከም ዘላ ካብ ምጥቃስ ሓሊፋ ዝሃበቶ ጸብጻብ የለን።

ይኹን’ምበር ውድብ መግብን ሕርሻን ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት’ዚ ዞባ፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝሰዓበ ቅልውላው መግቢ ከምዘሎን፣ እቲ ትካል ድማ ብዝያዳ ንዝተሃስዩ ሓረስቶት ኣብ ምርዳእ ከምዝርከብን የመልክት።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፣ ነዚ ወራር ንምምካት፣ ምስ መሻርኽቲ ዝከኣሎ ይሰርሕ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ግና መሰናኽል ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ፣ ኣብዘን ሃገራት ካልኣይ ማዕበል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክኸሰት ከምዝኽእል ውድብ መግብን ሕርሻን መጠንቀቕታ የቕርብ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0