ኣብ ክልል ትግራይ መስርሕ ምርጫ መንግስቲ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 11 May 2023

ብመሰረት ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝመጽእ ዓመት መንግስቲ ንምቛም ምርጫ ከም ዝካየድ ተሓቢሩ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ናይ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ስራሕ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ደሞክራስያዊ ጉዳያት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን’ዩ ብዛዕባ ምርጫ ትግራይ ጠቒሱ።

እቲ ምርጫ ንዓመታ ከምዝካየድ ደኣ’ምበር ዝካየደሉ ዕለት ኣይተነጸረን።

ኣቦ መንበር ባይቶ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቶ ውብሸት ሃይለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይታ ሃገር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ዘይተኻየደ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንዓመታ ግን ትግራይ ኣብ ዝርከቦ ካልኦት ክልላት ከምዝትግበር ኣገንዚቡ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ 20 ነሓሰ 2020 ሃገራውን ክልላውን ምርጫታት ክካየድ መደብ ተታሒዙ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረንስ ዋሕዲ መሳለጥያታትን ኣብ ግዚኡ ከይተተግበረ ምትራፉ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ግዜ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህውሓት፡ መንግስቲ ይኹን ምርጫ ቦርድ፡ ንውሳኔ ህዝቢ ንምስግጋር ስልጣን የብሎምን ብምባል፣ ኣብ 09 መስከረም 2020 በይንኣዊ ክልላዊ ምርጫ ብምክያድ፣ 98.2%፡ናይ ደገፍ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ፈደራላዊ መንግስትን ቦርድ ምርጫን ኢትዮጵያ፡ ውጽኢት ናይቲ ዘይሕጋዊ ዝበልዎ ምርጫ ክቕበሉ ብዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትግራይ ናይ ባጀት ማዕቀባትን ካልእ ጸቕጥታትን ክግበር ወሲኖም።

ህውሓት ብወገኑ፡ ንሰልፊ ብልጽግና ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ብምእዋጁ፡ ተፈጢሩ ዝነበረ ምፍሕፋሕ፡ ኣብ 04 ሕዳር 2020 ናብ ኲናት ዓሪጉ።

ኣብዚ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ከምዝተቐትሉን ቢልዮናት ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ህውሓት ካብ ዝርዝር መዝገብ ሽበራ ተሰሪዙ፣ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቝሙ ይርከብ።

ዝመጽእ ዓመት ድማ ዳግማይ ምርጫ ብምክያድ፣ ብግዝያውነት ቆይሙ ንዘሎ መንግስቲ ናይቲ ክልል ዝትክእ ሓድሽ መንግስቲ ክምስረት ትጽቢት ይግበር።

ብዘይካ ኣብ ትግራይ፣ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ምርጫ ዘይተኻየደለን፣ ኣብ ክልል ቤን ሻንጉል ጉምዝን ሓያሎ ዞባታት ናይ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን’ውን ዝመጽእ ዓመት ምርጫ ክካየድ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ ዘሎ።

ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ካብ 21 ሰነ ክሳብ 30 መስከረም 2021 ከም ዝተኻየደን፡ ንሰለስተ ዓመታት ብግዝያውነት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ብልጽግና፣ ብ90% ናይ ህዝቢ ደገፍ ብምርካብ ከም ዝተዓወተ’ዩ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0