ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ምስ ዕጡቓት ኦነግ ዝግበር ዘተ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ

Radio Erena: 11 May 2023

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ኣብ ታንዛንያ ዝተጀመረ ዝርርብ ንምቕጻል ጻዕርታቶም የካይዱ ምህላዎም ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ፡ ብሰሉስ 09 ግንቦት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ፈደራላዊ መንግስትን ፍልልያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ከም ዝተሰማምዑን፡ ኣብ ዝቕጽል ዝርርባት ጭቡጥ ውጽኢት ንምምጻእ ከም ዝፍትኑን ጠቒሱ።

ብዛዕባ’ቲ ዝቕጽል ስምምዕ ሰላም መግለጺ ዘይሃበሉ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ጃልዱ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ምዕራብ ሽዋን ኣዳሚ ቱሉ ዝተባህለ ከባቢ ምብራቕ ሽዋን ካብ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈነወሉን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምምካን 75 ወተሃደራት መንግስቲ ምቕታሉን’ዩ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ዕጡቕ ሓይልን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ታንዛንያ ተራኺቦም’ኳ እንተዘተዩ፡እቲ ዝርርብ ብስምምዕ ክድምደም ኣይከኣለን።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ካልኦት ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባትን፡ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ኦሮሞ ፈሪሱ፡ ብኣሳታፊ ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ክትካእ ብምባል ዘቕረብዎ ሕቶ፡ መንግስቲ ክቕበሉ ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ ናይ ታንዛንያ ናይ ትሽዓተ መዓልታት ዝርርብ ብዘይ ስምምዕ ከምዝተበተነ’ዩ ዝንገር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0