ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ብጀነራል ከማል ገልቹ ዝምራሕ ዕጡቕ ተቓዋሚ ኦሮሞ ናብ ሃገሩ ኣትዩ

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ብጀነራል ከማል ገልቹ ዝምራሕ ዕጡቕ ተቓዋሚ ኦሮሞ ናብ ሃገሩ ኣትዩ

Radio Erena: 28 June 2018

 kemal geወከልቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝመደበሩ ብጀነራል ከማል ገልቹ ዝምራሕ ዕጡቕ ተቓዋሚ ኦሮሞ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

ትሽዓተ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ውድብ ዝሓቖፈ ጉጅለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣረጋጊጻ።

ንሳቶም ነቲ ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ከካይድዎ ዝጸንሑ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምርሕራሕ ናብ ሃገሮም ዝኣተዉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዘቕረቦ ጻውዒት ሰላም ብምቕባል፣ ኣብ ሃገሮም ፖለቲካዊ ሰልፊ ብምቛም ክዋስኡ ብምውሳን’ዮም።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን እታ ሃገር ኣቶ ኣሕመድ ሺዴ ዝርክቦም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምዉቕ ኣቐባብላ ጌሮሙሎም።

ጀነራል ከማል ገልቹ፣ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ወትሃደራት ሒዙ ኣብ 2006 ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ውድብ ብምፍጣር ምስ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኦሮሞ ብምትሕብባር’ዩ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ።

ላዕለዎት ወከልቲ እቲ ንሱ ዘቖሞ ውድብ፣ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምርሕራሕ ናብ ሃገሮም ከምዝኣተዉ ክግለጽ እንከሎ፣ እቲ ጀነራል ግና ዛጊት ኣበይ ከምዘሎ ኣይተነጸረን።

ኣቐዲሙ’ውን ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ናይ ካልእ ናይ ኦሮሞ ተቓዋሚ ውድብ፣ ካብ ግብጺ ናብ ሃገሮም ከምዝኣተዉ ኣይርሳዕን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0