ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተቐይዶም ዝጸንሑ ኣርባዕተ የመናውያን ተለቒቖም

ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተቐይዶም ዝጸንሑ ኣርባዕተ የመናውያን ተለቒቖም

Radio Erena: 29 July 2016

4 Yemeni

ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ ኣርባዕተ የመናውያን ብ26 ሓምለ ናጻ ተለቒቖም።

እቶም፣ ገፈፍቲ ዓሳ ምዃኖም ዝተሓበሩ ኣርባዕተ የመናውያን፣ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ እናጀለቡ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሑዙ መግለጺ ኣገግልግሎት ዜና መንግስቲ የመን የመልክት።

እቶም ተወላዶ ናይታ ኣብ ዞባ ጣይዝ እትርከብ ከተማ ሞቻ ዝኮኑ ኣርባዕተ የመናውያ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምፍናዎም፣ ብጃልባ ናብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ከምዝኣተዉ ሓበሬታ ናይቲ መንግስቲ ኣረጋጊጹ።

 

ኤርትራን የመንን ብጉዳይ ምትሓዝጽ ገፈፍቲ ዓሳ ንሓያሎ ዓመታት ክሰሓሓባ ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራኣብዚ ሰለስተ ዓመታት ዝሓዞም ልዕሊ ሓደ ሽሕ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክለቕቕ እንከሎ ዝኾነ መግለጺ ግና ኣይሃበሉን።

መንግስቲ የመን በንጻሩ፣ ብዛዕባ ምትሓዝ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብኤርትራ ብቀጻሊ’ዩ ዝሕብር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0