ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 29 July 2016

Tes

ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን ይካየድ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ተሰነይ ሓቢሮም።

ሓያሎ ኣሃዱታት ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ ተዋፊረን ከምዘለዋ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ጠንቒ’ዚ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ቀጺሉ ዘሎ ጽዑቕ ተፍትሽኝ ሕለዋን ንጹር ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመለሶም ኤርትራውያን ተሰነይ ቅድሚ ምእታዎም ንዝሃደሙ 10ታት ኤርትራውያን ንምህዳን ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ምዃኑ ህዝቢ ብግምት ይዛረብሉ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፣ ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ ጽዑቕ ሓለዋን ተፍትሽን ከምዝቐነየን፣ ኣቑሑ ዘመላለሳ መካይን ተዓጊተን ከምዝነበራን ዝዝከር’ዩ።

 

ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን፣ ምስ ምስግጋር ስደተኛታት፣ ዘይሕጋዊ ንግዲን ስልኳታት ተቓወምትን ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ብዝተሓሓዝ ተደጋጋሚ እዋን ጽኑዕ ተፍትሽን ሓለዋን ከምዝካየድ ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0