ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽሙ ዝተፈቕደሎም ጉጅለ ጋዜጠኛታት ፈረንሳ፣ ኤርትራ ካብ ዝገመትዋ ንላዕሊ ዕጽውቲ ሃገር ኮይና ከምዝጸንሓቶም ይገልጹ

ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽሙ ዝተፈቕደሎም ጉጅለ ጋዜጠኛታት ፈረንሳ፣ ኤርትራ ካብ ዝገመትዋ ንላዕሊ ዕጽውቲ ሃገር ኮይና ከምዝጸንሓቶም ይገልጹ

Radio Erena: 16 May 2016

France 24

ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽሙ ዝተፈቕደሎም ጉጅለ ጋዜጠኛታት ፈረንሳ፣ ኤርትራ ካብ ዝገመትዋ ንላዕሊ ዕጽውቲ ሃገር ኮይና ከምዝጸንሓቶም ኣረጋጊጾም።።

እቶም ካብ TF1ን France 24 ዝተባህላ ክልተ ዓበይቲ መደበራት ቴሌቪዥን ፈረንሳ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ጉጅለ ጋዜጠኛታት፣ ህዝቢ ኣብ ድሚ ካሜራ ርእይቶኡ ብናጻ ንምግላጽ ዘለዎ ፍርሒ ብኣካል ከረጋግጹ ከምዝኸኣሉ’ውን መሲኪሮም።

ካሜራ ኣብ ዘይብሉ ወይ’ውን ብዝተሓብአ ካሜራ ኣብ ኣስመራን ካልእ ክፋላት ኤርትራን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርባት ግና፣ ህዝቢ ምረቱ ብግሁድ ከምዘርኣዮምን፣ ብፍላይ ነቲ ምስ ባርነት ዝጽብጸብ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዎም ጽልኣት ከምዝገለጽሎምን እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ዘዳለውዎ ጸብጻባት ጠቒሶም።

 

ንሳቶም ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ጉዕዝኦም ዝተዓዘብዎ ንመሰል ምንቕስቓስ ዜጋታት ዝድርት ኬላታትን፣ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ ቦታታት ከሰንይዎም ዝተኣዘዙ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና’ውን፣ ሞያዊ ናይ ጋዜጠኝነት ንጥፈታቶም ብናጻ ንኸይዓሙ ጸቕጢ ንኽገብርሎም ዝተላእኩ ምዃኖም’ዮም ገምጊሞም።

ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፣ ምስ ዋህዚ ስደተኛታት ኣተኣሳሲረን ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘቕርብኦ ሰፋሕቲ መደባት፣ ገሊኤን ንኤርትራ፣ “ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ” ክብልኣ እንከለዋ፣ ገሊኤን ማዕከናት ዜና ከኣ “ኤርትራ ንዜጋታታ ሲኦል ዝኾነት ሃገር” ክብላ’የን ዝገልጽኦ።

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን፣ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ብዛዕባ ኤርትራ ንዘቕርብኦ ጸብጻባት ዘለዋ ተቓውሞ ብደብዳቤ ምግላጻ፣ ናይ መደበር ቴሌቪዥን -Arte ከም ኣብነት ብምጥቃስ ምቕራብና ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ሆላንድ’ውን ኣብ ማልታ ኣብ ዝተጋብአ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት፣ ፖለቲካዊ ስደት ኤርትራውያን ከብቕዕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ ከምዝበለ ኣይርሳዕን።

ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ንምቕያር ካብ ዝብል ሓድሽ ናይ ዲፕሎማሲ ተበግሶ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ንሓያሎ ፈረንሳውያንን ካልኦት ኤውሮጳውያን ጋዜጠኛታትን ንሓጺር ግዜ ዘጽንሖ ቪዛ ከምዝፈቐደሎም ይፍለጥ።

10ታት ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ኤርትራ ብምብጻሕ ንህሉ ኩነታት ኤርትራ ብኣካል ክዕዘቡ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ጠለባት ንነዊሕ ዓመታት ክንጸግ ምጽንሑ ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

እዞም ኣብዚ ቀረባ ኣብ ኤርትራ ክበጽሑ ዝተፈቕደሎም ጉጅለ ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት ከኣ፣ ኤርትራ ካብቲ ዝገምቱዋ ንላዕሊ ዕጽውቱ ሃገርን፣ ህዝባ ከኣ ብፍርሕን ሽቑረራን ዝነብር ምዃኑን ኣብ ጸብጻባቶም ደምዲሞ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0