“ነባሪ ስደት የለን” ብዝብል ኣርእስቲ ብኤርትራውያን ዝተዳለወ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ቀሪቡ

“ነባሪ ስደት የለን” ብዝብል ኣርእስቲ ብኤርትራውያን ዝተዳለወ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ቀሪቡ

Radio Erena: 17 May 2016

neba

ኤርትራውያን ተበግሶ ንማሕበራዊ ለውጢ ዝተሰምየት ማሕበር፣ “ነባሪ ስደት የለን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለወቶ ስእላዊ ምርኢት ባህላዊ ኣቝሑን ኣልባሳትን ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ብ13 ግንቦት ኣቕሪባ።

እታ ካብ እትምስረት ኣስታት ሓደ ዓመት ኣቝጺራ ዘላ ማሕበር፣ ኣብ ትርጉምን ምምላእ ቕጥዒታትን ዝኣመሰለት መሰረታዊ ሓገዝ ንኤርትራውያን ስደኛታት ከተበርክ ኣብ ርእሲ ምጽንሓ’ያ፣ ንባህሊ፣ መንነትን ህሉው ኩነታትን ዘንጸባርቕ ኣሳእል፣ ባህላዊ ኣቝሑን ኣልባሳትን ንምርኢት ኣዳልያ።

እቲ ምርኢት፣ ኣብቲ ኣንጻር ስደተኛታት ህሉፍ ጽልኢ ዘለዎም እስራኤላዊኣን ዝነብርሉ ከባቢ ከተማ እስራኤል፣ ኣብ ጎደና ማታሎን 70 ከምዝተኻየደ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ሓቢሩ።

 

እቲ ምርኢት ብዘይ ናይ ዝኾነ ወገን ሓገዝ፣ ብኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን ተበግሶ ንማሕበራዊ ለውጢ ከምዝተኻየደ’ውን እቲ ወኪል ኣመልኪቱ።

ኣብ እስራኤል፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነብሩ ይፍለጥ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0