ኣብ ኣስመራ ምጥቃም ጀኔረተራት ብምምሕዳር ዞባ ማእከል ተነጺጉ

ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ካብ ንጥፈታተን ተዳኺመን ዘለዋ ሓያሎ ትካላት ከተማ ኣስመራ ጀኔረተራት ንኽጥቐማ ዘቕረብኦ ሓሳብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ነጺግዎ።

    ኣብ ኣስመራ ብዘይካ ዓበይቲ ሆቴላትን ውሱናት ብመንግስቲ ዝተፈቕደለን ትካላትን እንተዘይኮይኑ፣ ብድምጽን ኣየርን ናይ ኣከባቢ ብከላ ከስዕብ’ዩ ተባሂሉ ክፍቀድ ኣይጸንሐን።

    እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩነታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ተሰጋጊሩ ብምህላዉ፣ ወነንቲ ትካላት ጀነሬተር ምጥቃም ክፍቀደሎም ንዘቕረብዎ ጥርዓን ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣይተቐበሎን።

    ኣስመራ ኣብ እትርከበን ሓደ ሓደ ከተማታት ኤርትራ ጀነሬተር ምጥቃም ኩልኩል ኮይኑ ኣብ ከም በዓል ተሰነይ ዝኣመሰላ ካልኦት ከተማታት ግና ጀነሬተር ምጥቃም ንቡር ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

    ብዋሕዲ ናይ ወጽኢ ባጤራ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ እኹል ነዳዲ ክሽምት ብዘይምኽኣሉ ንህዝቢ ዘቕርቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ከምእተዳኸመ’ዩ ዝንገረሉ።

    ብሰንኪ’ዚ ድማ፣ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት፣ መወልዳንን መጥባሕትን’ውን ዘጠቓለለ ሆስፒታላት ሃገርና ከይተረፈ ካብ ንቡር ንጥፈታቱ ይተዓናቐፍ ምህላዉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0