“መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ኣብዩ” በድዋንተ ኪታሩዝ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝካየድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምጽራይ ምስ ዝቖመት ጉጅለ ምትሕብባር ከምዝኣበየ ተገሊጹ።

    ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራ ከተጻሪ ዝተመዘት በድዋንተ ኪታሩዝ ኣብ ዝሃበቶ መደረ፣ ናብ ኤርትራ ብኣካል ብምኻድ ንህሉው ኩነታት’ታ ሃገርን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ንዝቐርብ ዘሎ ክስታትን ንምጽራይ ምስቲ መንግስቲ ክትዘራረብ ብተደጋጋሚ ንዝገበረቶ ፈተነ፣ ከምዘይተዓወተት ኣመልኪታ።

    ኣብ መበል 53 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ ሚስ ኪታሩዝ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግቡእ ምትሕብባር ከርኢ ስለዘይከኣለ፣ መጽናዕታታ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ክትገብሮ ምዃና ኣፍሊጣ።

    ንሳ ብተወሳኺ ምስ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት በርጌሳውያን ትካላትን ብምትሕብባር፣ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምጽራይ ክትገብር ምዃና ሓቢራ።
    
    ገለ ካብቲ ምጽራይ ክበረሉ ዝድለ ጉዳያት፣ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ግዱድ ዕስክርና፣ ብዘይክስን ፍርድን ንዓመታት ማእሰርቲ፣ እሱራት ምስ ስድራቤቶም ኮነ ጠበቓ ናይ ምርኣይ መሰል፣ ናጽነት ፕረስ፣ ሃለዋት ንዓመታት ዝተቐየዱ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ዝብል ይርከቦ።

    ኣቐድም ኣቢሉ ኮሚሽን ኣፍሪቃ፣ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ሕቶታት ማለት፣ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሰበስልጣትን፣ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሜድያን፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ከምዘይረኸበ ምግላጹ ይዝከር።

    ሚስ ኪታሩዝ ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ጸብጻባ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ከተረክብ ትጽቢት ይግበር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0