ኣብ ኣስመራን ካልእ ክፋል ኤርትራን ሰሙኑ ዘሕለፈ ግፋ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ኣስመራን ካልእ ክፋል ኤርትራን ሰሙኑ ዘሕለፈ ግፋ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 26 January 2015

Asmara Gifa

ናብ ቦትኦም ምምላስ ንዝኣበዩ ኣባላት 27 ዙርያን ናብ ታዕሊም ንዘይወረዱ ኣቦታትን ንምህዳን ዝዓለም ግፋ ይቕጽል ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ከተማ ኣስመራን ካልእ ክፋል ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ግፋ፣ ሰሙኑ ኣሕሊፉ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ብፍላይ እቶም ንዕረፍቲ ዝመጹ ኣባላት 27 ዙርያ ሓያሎ ካብኣቶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ስለዝሰገሩ ክርከቡ ከምዘይክኣሉ ገሊጾም።

 

ኣብ ምምሕዳር ፓራዲዞ ናይ ኣስመራ ንዘጋጠመ ናይ ግፋ ፍጻሜ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ደቆም ናብ ሳዋ ክልእኩ ዝተነግሮም ወለዲ ብኣባላት ምምሕዳርን ፖሊስን ገዛ ገዛ እናኣተዉ ተፍትሽ ከምዘካየዱን፣ ደቀን ክርከቡ ንዘይክኣላ ኣዴታት ከኣ ናብ መደበር ፖሊስ ወሲዶም ከምዘፈራርሕወንን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም። 

እቲ ግፋ ንእግረ መንገዱ’ውን ካብ ኣሃዱታቶም ተመሊሶም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ንዝበሉ ብኣጸዋውዓ እቲ መንግስቲ ኸኣ ‘ዝኾብለሉ’ን ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ንዝምልከቶም ግና ናብ ሳዋ ንዘይወረዱን ንምልቃም ዝዓለመ ምዃኑ ዘገንዘቡ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት፣ ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ግፋ ኣብ መዓልታዊ ህወይት ናብራ ኤርትራ ተወሃሂዱ ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ከም ንቡር ወሲድዎ ምህላዉ’ውን ኣረዲኦም።

እቶም ናብ ማይላም ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝተነግሮም ካብ 40 ክሳብ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት’ውን ብመንግስቲ ብዝተገብረሎም ደጋጋሚ ምፍርራሕን ስድራቤታቶም ኣብ ሓደጋ ከየእትዉ ብምስጋእን መብዛሕቶም፣ ክዕለሙ ወሪዶም ምህላዎም ክፍልጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቶም ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ብረት ዘዕጠቖም ኣቦታት ንኣስታት ሓደ ወርሒ ጥራይ ክዕልሞም ምዃኑ ወረ ይዝርግሕ እኳ እንተሎ፣ ንዝሓለፈ ተሞክሮታት ኣብ ግምት ብምእታው ግና ብዙሕ ተኣማንነት ኣይረኸበን።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0