ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ኣፍሪቃን ንፈለማ እዋኑ፣ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ዙር ፈረንሳ ክሳተፍ ምዃኑ ተረጋጊጹ

ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ኣፍሪቃን ንፈለማ እዋኑ፣ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ዙር ፈረንሳ ክሳተፍ ምዃኑ ተረጋጊጹ

Radio Erena: 26 January 2015

EriMTN

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ናይ 2015 ዙር ፈረንሳ ክወዳደር ምዃኑ ተረጋጊጹ።

እታ ንሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሓቑፋ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ኩቤካ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርያ እዋና ኣብቲ ካብ 4 ክሳብ 26 ሓምለ 2015 ኣብ ዝካየድ ዙር ፈረንሳ ክትሳተፍ ምዃኑ ኣቐዲሙ እኳ እንተሓበረ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ነታ ጋንታ ወኪሎም ክሳተፉ ምዃኖም ግና ኣይተፈልጠን ጸኒሑ።

 

ማዕከናት ዜና ስፖርት ትማሊ ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻባት ግና፣ ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳምይ ብሽክለት መር ቅዱስ ሓደ ካብቶም ነንክለብ ኤም.ቲ.ኤን ኩቤካ ወኪሎም ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ምዃኑ ኣፍሊጠን።

እታ ጋንታ ኣብዚ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዝሳተፉ ተቐዳደምታ ኣብ እትርመርጸሉ ዘላ እዋን፣ ዛጊት ናይ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስን ቤልጁማዊ ሰርጅ ፓውል ኣስማጥ ጥራይ’ያ ረቑሓ ዘላ።

ኣብ ዙር ፈረንሳ ንምስታፍ በቒዓ ምስ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኤም.ቲ.ኤን ኩባኤካ ተጸንቢሮም ናይ ፕሮፌሽናል ቅድድማት ዘካይዱ ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራዉን መርሃዊ ቅዱስ፣ ናትናኤል ብርሃንን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን’ዮም።

ነዞም ሰለስተ ኤርትራውያን ዝሓቖፈት ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተሳተፈት ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ንምዃን ክትበቕዕ እያ።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0