ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ዝጸንሐ ዘምርድዳእ ብሰላም ተፈቲሑ

Radio Erena: 19 February 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያንን ካብኣ ተፈንጪሎም ጵጵስና ዝኣወጁ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብሰላም ተፈቲሑ።

ብመንጎኝነት ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድን ካብ መላእ እታ ሃገር ዝተዋጽኡ ሽማግለታትን ብ 15 ለካቲት ኣብ መንጎ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝርርብ ምግባሩን ዕርቂ ምስፋኑን ተሓቢሩ።

ገለ ካብቶም ተነጺሎም ክበሃሉ ዝቐነዩ መራሕቲ ሃይማኖት ንፓትርያሪክ ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስን ቤተ ክርስትያንን ይቕረታ ክሓቱ እንከለዉ፡ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብወገና፡ንነብስኹም ጳጳስ ሰይምኩም ብምባል ካብ ማዕርገ ክህነቶም ኣውሪዳቶም ዝጸንሐት ኣቦታት ናብ ናይ ቅድም ማዕርጎም ከም ዝመለሰቶም ኣፍሊጣ።

ቅድሚ ገለ ሳምንታት እታ ቤተ ክርስትያን ንኹሉ ናይ ሱታፌን ቋንቋን ኣድልዎ ትገብር እያ ብዝብል ምኽንያት ናይ ኦሮሞ ብሄር ብሄረሰባት ብዝብል 26 ሲኖዶሳት ዝሰየመ መሪሕነት ቆይሙ ምንባሩ ይዝከር።

ካብዚ ብተወሳኺ እታ ቤተ ክርስትያን ዜጋታት ብቛንቁኦም ክግልገሉላ ንክኽእሉ ከም ትሰርሕ ብምግላጽ፡ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ልዕሊ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣንቢራቶ ዝጸሐት ውግዘት ከም እተልዕሎ ኣፍሊጣ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምጻእ ቀ/ሚ ኣቢ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ዝተፈላለዩ ብሄራዊ፡ሃይማኖታውን ማሕበራውን ፍልልያት ናይታ ሃገር ገንፊሎም፡ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ዘይምርግጋእ ከም እትርከብ ይገልጹ።
0000000000000

COMMENTS

WORDPRESS: 0