ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ኣብ ትግራይ’ውን ክካየድ ምዃኑ ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 24 September 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ክካየድ ዝተወሰነ ምርጫ፣ ኣብ ትግራይ’ውን ክካየድ ምዃኑ ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣፈኛ፣ ኣብ ትግራይ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ምርጫ ተቐባልነት ስለዘይብሉ፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ኣብ ትግራይ’ውን ክካየድ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ቤት ምኽሪ ፈረደረሽን ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ፣ እቲ ናይ ትግራይ ምርጫ፣ ሕጋዊ ኣይኮነን ብዝብል ከምዝነጸጎ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ምርጫ ከምእተሰጋገረን፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ለበዳ እዋን ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክካየድ ምዃኑን እኳ እንተገለጸ፣ ብሃንደበት፣ ኢትዮጵያ ምርጫ ከተካይድ ኣብ ዘኽእላ ኩነታት ከምዘላ ብምጥቃስ’ዩ እቲ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ዓመት ክካየድ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ።

ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ምርጫ ንምክያድ ነዊሕ መስርሕን ምድላዋትን ከምዝሓትት ክገልጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክካየድ ዝተወሰነ ምርጫ ኣመልኪቱ ግና ዝርዝራዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

እቲ ምርጫ ክደናጎ ይኹን ክካይድ፣ ዝውሰነሉ ዘሎ ኩነታት፣ ናይ ጥዕና ዘይኮነ ናይ ፖለቲካ ምዃኑ ዝገልጹ ተንተንቲ ብወገኖም፣ ነቲ ዝጸንሐ ምትፍናን መሊሱ ከጋድዶ ምዃኑ የረድኡ።

ኣቐዲሙ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ከምዘየለ ክጠቕስ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓያሎ ጸለውቲ ፖለቲከኛታት፣ ነጥፍቲን ጋዜጠኛታትን ተቐይዶምሉ ኣብ ዘለዉ ግዜ፣ ብሃንደበት ምርጫ ክካየድ’ዩ ምባሉ ንርእሱ ኣብታ ሃገር ካልእ ሕቶታታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ዓመት ከምዝካየድ ደኣ’ምበር፣ ዕለትን ወርሒን ገና ኣየነጸረን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0