ካሜሩን፣ 45 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቢያ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 24 September 2020

ንካሜሩን ን45 ዓመታት ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ፖል ቢያ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ከተማ ያውንደ ዝተኻየደ፣ ናዕቢ ዝተሓወሶ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ብስም ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ምትእኽኻብ ህዝቢ ኣጊድሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ ተወሊዑ።

ዝበዝሑ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ እቲ ናዕቢ፣ ብመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሞሪስ ካማቶ ዝተጎሃሃረ’ዩ ክብል መንግስቲ ወቒሱ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ኣብቲ ተቓውሞ ንዝተሳተፉ ብዙሓት መንእሰያት ክኣስሩ እንከለዉ፣ ነቲ ተቓውሞ ወዲቡ ንዝተባህለ መራሒ ተቓዋሚ፣ ሞሪስ ካማቶ ድማ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘእተውዎ ይግለጽ ኣሎ።

መብዛሕቶም እቶም ኣብቲ ተቓውሞን ናዕብን ዝተሳተፉ ዜጋታት ካሜሩን፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ተወሊዶም ዝዓበዩ’ዮም።

ኣብታ ሃገር ምርጫታት ዝካየድ እኳ እንተኾነ፣ ፒል ቢያ ግና ካብ 1975 ኣትሒዙ ሓንሳእ ቀዳማይ ሚኒስተር ካልእ እዋን ድማ ፕረዚደንት ዝብል ስማት እናቐያየረ’ዩ ነታ ሃገር ን45 ዓመታት መሪሑዋ።

ወዲ 87 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፖል ቢያ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ኮይኑ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ፣ ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር፣ ሮበርት ሙጋበ፣ ብዕድመ እቲ ዝሸምገለ መራሒ እዛ ኣህጉር’ዩ።

ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ቋንቋታት እንግሊዝን ፈረንሳን ተኸፋፊላ፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኵናት ሓድሕድ እትርከብ፣ ካሜሩን፣ ከም ነዳዲ፣ ጋዝ፣ ጎማ፣ ኮካን ጡጥን ዝኣመሰለ ጸጋታት እኳ እንተለዋ፣ ዝበዝሐ ክፋል ህዝባ፣ መዓልታዊ እቶቱ ካብ 2 ዶላር ኣይሓልፍን’ዩ።

ጠንቂ ናይዚ ድማ፣ እታ ሃገር፣ ኣሳታፊ ዝኾነ ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ትካላዊ መስርሕ ዘይብላን፣ ን45 ዓመታት ብምሕደራ ሓደ ሰብ ትምራሕ ምህላዋን ምዃኑ ተንተንቲ ይሰማምዑሉ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንመራሒ ካሜሮን ተኸቲሎም ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝርከቡ 8 መራሕቲ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓደ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0