ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ግጭታት ዳግም ይጎሃሃር

Radio Erena: Tuesday, 19 September 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ሰሜን ወሎ፣ ኣብ እትርከብ ከተማ ቆቦ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ዳግም ግጭት ከምዝተወልዐ ተሓቢሩ።

እቲ ካብ 14 መስከረም ኣትሒዙ፣ ዝተወልዐ ግጭት ኣብ ሰብን ንብረትን ዘብጽሖ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይተጠቐስን።

ይኹን’ምበር ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ሰርሐን ኣቛሪጸን ምህላወን ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ምስ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ኵናት ተጸሚዱ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንዝበዝሓ ዓበይቲ ከተማታት ናይቲ ክልል ክቖጻጸር እኳ እንተኸኣለ፣ ዛጊት ጸጥታ ምሉእ ብምሉእ ከውሕስ ኣይከኣለን።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ጎጃም፣ ምንቅስቓስ ሚሊሻታት ኣምሓራን ፋኖን ብሰፊሑ ከምዝርአ መርበባት ዜና ኢትዮጵያ ይጠቕሳ።

ኣብ ካልእ ወገን፣ ኣብ ክልል ኦሮሞያ፣ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፣ ከባቢታት ጊዳ ኣያና፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ሰላማውያን ሰባት ጽዒና ትጓዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዝኸፈተዎ ቶዅሲ፣ ሓያሎ ከምዝተቐትሉ ራድዮ ዶ ቸ ቬለ ሓቢራ።

መብዛሕቶም እቶም ግዳያት ተወላዶ ኦሮሞ ምዃኖም ዝጠቐሳ መርበባት ዜና እታ ሃገር ድማ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት፣ ዕጡቓት ኣምሓራ ምዃኖም ወቒሰን።

ኣብቲ ክልል፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ’ውን ብውሕዱ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት፣ ኣብ ልዕሊ መደበር ፖሊስ መጥዕቃቲ ከምዝተፈጸመ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ናይዚ ኣብዚ ስልስቲ’ዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተኻየደ መጥቃዕታት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን። መንግስቲ’ውን ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካቭይስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0