ሱዳን፣ ኣብ ካርቱምን ፖርት ሱዳንን ክልተ መንግስታት ከይቀውም ይስጋእ

Radio Erena: Tuesday, 19 September 2023

ኣብ ሱዳን፣ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት፣ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክርከበሉ ብዘይምኽኣሉ፣ ብክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት መንግስታት ካርቱምን ፖርትሱዳንን ከይቀውም ኣስጊኡ።

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ናብ ፖርት ሱዳን ምስ ምግዓዙ፣ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝበዝሐ ክፋላ ኣብ ትሕቲ’ቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ወዲቓ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ጀነራል ዳጋሎ፣ ኣብ ካርቱም ሰበ ስልጣን ክሸይም ከምዝኽእል ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ ክብል ሮይተርስ ኣረጋጊጹ።

ንሱ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ መንግስቲ ከቕውም እንተፈቲኑ፣ ንሕናው’ውን ኣብ ካርቱም ሲቪላዊ መንግስቲ ናይ ምምስራት ተበግሶ ክንወስድ ኢና ክብል’ዩ ገሊጹ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ኣብ ፖርት ሱዳን መንግስቲ ናይ ምቛም ተበግሶ ክወስድ ምዃኑ እኳ ብወግዒ እንተዘይገለጸ፣ ካብ 4 ነሓሰ ኣትሒዙ ካብ ክርቱም ናብ ፖርት ሱዳን ድሕሪ ምግዓዙ ግና ዛጊት ኣይተመልሰን።

እቲ ጀነራል ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ካብ ፖርት ሱዳን እናተበገሰ፣ ኣብ ዱዳይ ሱዳን ዘተ ዲፕሎማሲን ንምክይድ፣ ዘቤታውን ዞባውን ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ክልትቲኦም ወትሃደራዊ ሓይልታት፣ ኣብ ካርቱምን ፖርት ሱዳንን ክልተ መንግስታት ከቑሙ እንተፈቲኖም፣ ሱዳን ከም ናይ የመን፣ ኣብ ከተማታት ሰንዓን ዓደንን ዝተጎዛዘየ ምምሕዳራዊ መንግስቲ ክህልዋን ተመሳሳሊ ዕጫ ክበጽሓን ተኽእሎ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0