ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ህጻናት ብሰንኪ ዓጸቦ ሞይቶም

Radio Erena: 10 October 2021

ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ምስ ስድራቤታቶም ተዓቝቦም ዝጸንሑ ሰለስተ ኤርትራውያን ህጻናት ከምዝሞቱ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ብ30 መስከረም፣ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ፣ ብሰንኪ ዓጸቦን ጥሜትን ህወቶም ዝሓለፈ ህጻናት፣ ክልተ ካብ ስድራቤት ብርኽቲ ኣረፋይነ፣ ሓደ ድማ ካብ ስድራቤት ኣቶ ኣሸብር’ዮም።

ኣብ ትግራይ፣ ብሰንኪ ኵናትን ከበባን ተኸሲቱ ብዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ሚልዮናት ሰባት ንጥሜት ተቓሊዖም፣ ሓያሎ’ውን ይሞቱ ምህላዎም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ’ዩ።

ኣብ መንጎ ክልተ ኵናት ተቐርቂሮም፣ ግዳያት ክልተ ሓዊ ክኾኑ ዝጸንሑ፣ ኣብ መዓስከራት ዝነበሩ ስደተኛታት ኤርትራ’ውን ካብ ቀንዲ ግዳያት እዚ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው’ዮም።

ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ፣ ኣብዚ መዓስከራትን ኣብ ሓያሎ ክፋላት ትግራይን፣ ሞት ህጻናት ብዝተዓጻጸፈ ክዛይድ ምዃኑ መጠንቐቕታ ይቐርብ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ሓለፍቲ ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ክልል ትግራይ ምብጾሖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዛዕባ ዕላማ ዑደቶም ግን ዝተፈልጠ የለን።

ኣብ ኢትዬጵያ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ መዓከራት ስደተኛታት ተዓቒቦም ዘለዎ ኤርትራውያን ብመትከላት ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ስደተኛታት፣ መሰሎም ክኽበርን ናብ ውሑሱን ካብ ናይ ኩናት ዞና ናጻ ዝኾነ ስፍራን ክግዕዙ ወይ’ውን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝጣየስሉ መስርሕ ክቀላጠፍ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ገጅለታትን ማሕበራት ጥርዓናት ክቐርብ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብ ባይታ ዘምጸኦ ለውጢ የለን።

ነዚ ሲዒቡ’ውን፣ ነቲ ዝተዓፈነ ስቅያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዬጵያ ብፍላይ ነቶም ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢታት ናይ መግብን ማይን ይኹን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ተሓሪምዎም ዝርከቡ ግዳያ ድምጾም ንምስማዕ ተደጋጋሚ ሰለማዊ ሰልፊታት ተኻይዱ’ዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ UNHCR

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0