ሊብያ፣ ዝተገፈፉ ኣሽሓት ስደተኛታት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ኣባላት ሓለዋ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ተቐቲሎም

Radio Erena: 09 October 2021

ኣብ ሊብያ፣ ከባቢ ከተማ ትሪፖሊ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝተኻየደ ግፋ ዝተታሕዙ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት፣ ካብ ማእሰርቲ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ኣባላት ሓለዋ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል፣ ጎት ሻል፣ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝተጨቓጨቑ፣ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ዓቕሎም ጸቢብዎም፣ ብዓርቢ 08 ጥቅምቲ፣ ሓጹር ብምፍራስ ከምዝሃደሙ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ካብታ ከተማ ኣረጋጊጹ።

ኣባላት ሓለዋ ድጓና ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ሽዱሽተ ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ፣ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፣ ፈደሪኮ ሶዳ ኣረጋጊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ፣ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ዘካይድዎ ግፋ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 5 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከምዝኣሰሩ እቲ ኮሚሽን ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

ካብቶም ዝተገፈፉ ኣሽሓት ስደተኛታት እቶም 215 ቆልዑ’ዮም።

ካብ ዝተታሕዛ 540 ደቂንስትዮ ድማ እተን 30 ነፍሰጾራት’የን።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ ዘሎ፣ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝምልከት መግለጺ ኣይሃበሉን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0