ኣብ ትግራይ ምስ ናይ 1984 ዓመታት ዝመሳሰል ዓጸቦ ከምዝተኸስተ ይግለጽ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ይኽሕድ

Radio Erena: Thursday, 18 January 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ኵናትን ደርቂን ብዘስዓቦ ጥሜትን ዓጸቦን፣ ኣማኢት ይሞቱ ምህላዎም ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኽሕዶ ምህላዉ፣ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

ማዕከናት ዜና ዓለም፣ ንሰበ ስልጣን ትግራይን ትካላት ረዲኤትን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ዝተፈላለየ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ብጠቕላላ ኣስታት ሓደ ሰባት ብዓጸቦ ሞይቶም።

እዚ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ፣ ምስቲ ኣብ 1984 ዝተኸስተን፣ ምስሊ ኢትዮጵያን ኮይኑ ዝተረፈን፣ ዓለምና ካብ ዝርኣየቶም ዘሕዝን ሰብኣዊ ቅልውላዋት ምስ ቀዳሞት ዝስራዕን፣ ዝመሳሰል ምዃኑየን ማዕከናት ዜና ዝገልጻ ዘለዋ።

ራድዮ ፈረንሳ፣ ብ17 ጥሪ ኣብ ዘቕረበቶ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ እቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ፣ ህጹጽ ቆላሕታ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝሓትት እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፣ ጥሜትን ዓጸቦን ከምዝተኸስተ ይኽሕዶ ምህላዉ ጠቒሳ።

ኣብ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪን ምዕጣቕ ዘመናዊ ኣጽዋራትን ብምትኳር ጽዑቕ ፕሮፖጋንዳን ዘመተን ኣብ ምክያድ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር ን15 ሚልዮን ህዝቢ ኣንጸላልይዎ ንዘሎ ሓደጋ ደርቂ ይጎስዮ ምህላዉዩ ዝንቀፍ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን ምምዝባልን፣ ኣስታት 15 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎዩ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ቀንዲ ለገስቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝኾነ፣ ትካል ረዲኤት ኣመሪካ-USAID ኣብዚ ሰሙንዚ ኣፍሊጡ።

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0