ኡጋንዳ፣ ብብዝሒ ናብታ ሃገር ካብ ዝውሕዙ ኤርትራውያን፣ ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ኣታዊ ትረክብ

Radio Erena: Thursday, 18 January 2024

ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ኡጋንዳ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ።

ድሕሪቲ እባ ሱዳን ዝተወልዐ ኵናትን ኣብ ኢትዬጵያ ንኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ግፋን ማእሰርቲን፣ ዶብ ኬንያ እናቛረጹ ናብ ኡጋንዳ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ምዝያዱዩ ተመልኪቱ።

ራድዮ ኤረና፣ ኣብ ካምፓላ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብምውካስ ኣብ ዝኣከበቶ ሓበሬታ፣ እታ ከተማ ኣብዚ እዋንዚ፣ ብኤርትራውያን ኣዕለቕሊቓ ምህላዉዮም ዝጠቕሱ።

ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ከተማ ካምፓላ፣ ንጥፈታት ኤርትራውያን ግሉሕዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ካብ ተራ ኣብያተ ሸቐጥን ዱኳናት፣ መፍረ ሕብስቲ፣ ኣብያተ መግቢ፣ ሆቴላት፣ ክራይ መካይን፣ ካልእን ክሳብ ቲ ዝዓበየ ወፍሪ ኣብ ምልኣኽን ምእታውን ዝሽየጥ ነገራት ከምዘለዉዩ ይገልጹ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ብናይ ምጥርናፍ ስድራቤታት ይኹን ካልእ ዕድላት፣ ካብ ኡጋንዳ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝሰጋገሩ ዘለዉን ኣብ ትጽቢት ዝርከቡን ቁጽሮም ቀይሊል ኣይኮነን።

ክሳብ መወዳእታ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ብዝሒ ኣብ ኡጋንዳ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን 27 ሽሕ ምንባሩዩ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

እንተኾነ፣ እዚ ኣሃዝዚ ነቶም ነቶም ብፓስፖርት ኣትዮም፣ ዝኾነ ናይ ዑቕባ መስርሕ ከይሓተቱ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣየጠቓልልንዩ።

ኣብ ከተማ ካምፓላ፣ ናይ ስደተኛታት ይኹን ካልእ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይሓዙ ኤርትራውያንውን ብዙሓት ምዃኖም ይፍለጥ።

ምስ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ተተሓሒዙ፣ ንመርዓ፣ ምርኻብ ስድራቤታት፣ ዑደትን ካልእን፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ከተማ ኡጋንዳ ብብዝሒዮም ዝመላለሱ።

ብመንጽር እዚ ክርአ እንከሎ፣ እታ ንኤርትራውያን ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ እትፈቅድ ኡጋንዳ፣ ኤርትራውያን፣ ኣብ ንግዲ፣ ወፍሪ፣ ሓዋላን ዑደት፣ ቱሪዝምን ካልእን ካብ ዝገብርዎ ምንቅስቓሳት፣ ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ትሓፍስ ከምዘላ ይግመት።

ስእሊ፦ ከተማ ካምፓላ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0