‘ኣብ ትግራይ፣ ዓሌት ምጽናት’ዩ ዝካየድ ዘሎ’ ክብሉ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፣ ኣቡነ ማትያስ ገሊጾም

Radio Erena: 10 May 2021

ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ ኣብ ትግራይ፣ ዓሌት ናይ ምጽናት ተግባራት ይካየድ ኣሎ ክብሉ ገሊጾም።

ነቲ ኵናት ዘለዎም ተቓውሞ ከይገልጹ ብመንግስቲ ተኸልኪሎም ከምዝጸንሑ ዘመልከቱ ኣቡነ ማትያስ፣ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዘሕዝን ገበናይ ይፍጸም ከምዘሎ ክገልጹ ዝኸኣሉ፣ ብመንገዲ ሓደ ኣመሪካዊ ሃይማኖታዊ ትካል ኣቢሎም፣ ብዝተቐድሐ ቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ’ዩ።

ካብ 2013 ኣትሒዞም፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣቡነ ማትያስ፣ ነዚ መልእኽቲ፣ ብኸምዚ ኣገባቢ ከሕልፉ ዘገደዶም ምኽንያት፣ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ እቲ ሓቑ ክትፈልጥ ስለዘለዋ ምዃኑ ኣስሚረምሉ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0